Home ዜና ልዕሊ 50 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ናብ ማሕበረሰቡ ተሰንዩ።

ልዕሊ 50 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ ናብ ማሕበረሰቡ ተሰንዩ።

697

ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰራዊት ትግራይ ብኽብሪ መሰነይታ ከም ዝተቐነሰ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሪተርያት ሰላም ፀጥታን ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበዎ መብርሂ ገሊፆም፡፡

እቶም ዝተቐነሱ ሰራዊት 19 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዋ ኣብ ኩለን ወረዳታት ድሙቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም ከም ዘሎ ዝገለፁ ተጋዳላይ ታደሰ እዚ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘላቕነት ዘለዎ ሰላም ንክሰፍን ዘለዎ ድልውነት እዩ ድማ ኢሎም፡፡

ዝቕነሱ ዘለው ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ወራር ንምምካት ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ዝኽፈል ዋጋ ከፊሎም ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ከም ዝፈፀሙን ዓብይ ክብሪ ከም ዝገበኦምን ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝቕነስ ዘሎ ሰራዊት ድማ እግሪ ንምትካል ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ብምትእስሳር ኩሉ መዳይ ስራሕቲ ብቐፃልነት ክስራሕ እዩ ኢሎም፡፡

ሃፍታይ ባህረ