Home ዜና “ሎሚ ንዝክሮ ዘለና ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ስውኣት ትማልን ሎምን ንምዝካር ጥራሕ ኣይኮነን...

“ሎሚ ንዝክሮ ዘለና ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ስውኣት ትማልን ሎምን ንምዝካር ጥራሕ ኣይኮነን ባህጊ ቐፃሊት ትግራይ እናሓሰብና ስውኣትና ዝሓደጉልና ሕድሪ ተቐቢልና ተግባራዊ ንምግባር ዳግም ቃልና እነሐድሰሉ ክቡር ዕለት እዩ” ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል

574

“ሎሚ ንዝክሮ ዘለና ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ስውኣት ትማልን ሎምን ንምዝካር ጥራሕ ኣይኮነን ባህጊ ቐፃሊት ትግራይ እናሓሰብና ስውኣትና ዝሓደጉልና ሕድሪ ተቐቢልና ተግባራዊ ንምግባር ዳግም ቃልና እነሐድሰሉ ክቡር ዕለት እዩ” ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ስውኣት ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ምእንተ ህላወ ትግራይ ክንብል ብዙሓት ደቂ ህዝቢ ስኢንና ኢና። ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ውሽጢ ኮነ ደገ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም ኢሎም።

ናይ ሎምዘበን ዝኽሪ መዓልቲ ሰውኣት ክንዝክር ከለና ብሓደ ገፅ ዝተሰውእሉ ዕላማ ናብ ተግባር ክነሽርፍ ብኻልእ ገፅ ዝጎደሉና ርኢና ትግራይ ናብ ዝሓሸ ብራኸ እናሰጋግረሉ ክኸውን ይግባእ ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ዘለናሉ እዋን ኣዝዩ ተኳሳሒ እዩ ስለዚ ብትኹረት ምምራሕ የድሊ ልዕሊ ኹሉ ድማ ከም ተጋሩ ሓድነትን ሰምረትን የድልየና ክብሉ ኣረዲኦም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘሎ ብምግላፅ “ብዙሕ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ኣሎ ብዙሓት ግፍዕታት ይበፅሑዎ ኣለው። ነዞም ፀገማት ንምፍታሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ይፅዕር ኣሎ ስለዚ ኩላትና ክንሕግዝ ይግባእ።” ኢሎም። “ትግራይ እንዳ መስዋእቲ ጥራሕ ኣይኮነትን ናብ ብራኸ ክትሰጋገር እያ ነዚ ጋህዲ ንምግባር ሓድነትና ነስጥም” ኢሎም ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መልእኽቶም።