Home ዜና ሓረስቶት ወረዳ ኣሕፈሮም ብባህላዊ ዱኽዒን ኮምፖስትን ተጠቒሞም ምህርቲ ሕርሻ ንምድንፋዕ ይሰርሑ ኣለዉ።

ሓረስቶት ወረዳ ኣሕፈሮም ብባህላዊ ዱኽዒን ኮምፖስትን ተጠቒሞም ምህርቲ ሕርሻ ንምድንፋዕ ይሰርሑ ኣለዉ።

617

ሓረስቶት ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሴሮ ሐዚ ተፈጢሩ ብዘሎ ሃዋህወ ሰላም ተጠቒሞም ብባህላዊ ዱኽዒን ኮምፖስትን ሕርሻዊ ማእቶቶም ንምድንፋዕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡ እቶም ሓረስቶት በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዋላኳ ሃፍተ ጥሪቶምን ናውቲ ሕርሻኦምን ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝዓነወን ዝተዘመተን እንተኾነ በዚ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ተጠቒሞም ብምልቕቓሕን ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ወገናቶም በዝገበርሎም ደገፍ ሕርሻዊ ንጥፈታቶም የሳልጡ ምህላዎም ገሊፆም።

እቶም ሓረስቶት ክሳብ ሐዚ ዘበናዊ ዱኽዒን ካልኦት ዘበናዊ እታዎታት ሕርሻን ብዘይምቕራቡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታቶም ፅልዋ ከምዘለዎ ብምግላፅ ሕዚ እውን እንትወሓደ ዶንግዮም ንዝዝርኡ ዝራእቲ ከርክብ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ ሰነ ምእታዉ ዘበናዊ ዱኽዒ ከቕርበሎም ተስፋ ከምዘለዎም ይዛረቡ።

ምክትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ወረዳ ኣሕፈሮም ኣይተ ሙሉጌታ ታረቀ ሓረስታይ እታ ወረዳ ቅድሚ ኩናተ ሙሉእ ፓኪጅ እታወታት በምጥቃም ሕርሻዊ ንጥፈታት ብምክያድ ፅቡቕ ምህርቲ የፍሪ ምንባሩ ብምግላፅ ሕዚ ግና ከቢድ ፀገም እታወታት ሕርሻ ከምዘሎን ክሳብ ሎሚ ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዘይተዓደለን ናብታ ወረዳ እውን ከምዘይበፅሐን ገሊፅም።

ሓረስቶት እታ ወረዳ ግና ብባህላዊ ዱኽዒን ኮምፖስትን ተጠቒሙ ናይ ኣዝመራ ዝራእቲ ይዘርእ ምህላዉን ዝገለፁ ኣይተ ሙሉጌታ ምስ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ብዝተገበረ ምርድዳእ ግና ኣብ ውሑድ መዓልታት እቲ ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ወረዳታት ከምዝባፃሕ ከምዝገበር ገሊፆም።

ብወያንተ ቡዙነህ