Home ዜና ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ

ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ

154

ኣብ ትግራይ  አጋጢሙ  ዘሎ  ዝኸፍአ ድርቅን ጥሜትን  ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ብምትሕብባር  ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ዝውዕል ኣብ 18 ተሽከርከርቲ ዝተፅዓነ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ 15 ከተማታት ከምዝተለኣኸ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ምግቢ ኣብ ከተማታት ኣኽሱም፣ ዓዲግራት፣ ሓውዜን፣ እንትጮ፣ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ፣ ጭላ፣ኣሕሰኣ፣ ላዕላይ ማይጨው፣ ዓዲጉዶም፣ ውቅሮ፣ ፍረወይኒ፣ ኣፅቢ፣ሃገረሰላምን ታሕታይ ማይጨውን ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝርከቡ ነበርቲ ከምዝውዕል  ተገሊፁ።

ኣባል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣባ ጥዑም በርሀ፣ ብሓገዝ ካብ ዝተረኸበ 241 ,314,504 ብር እቲ  201,399,304 ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጥን ደገን ኮይኖም ሓገዝ ንዝልግሱ ዘለው ዘመስገነ ኣባል ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ተጋዳላይ ጠርጣራው ስቡሕ ብወገኑ ፣ህዝቢ ትግራይ አጋጢሙዎ ዘሎ ሓደጋ ጥሜትንምክልካል  ሐዚውን ነቲ ሓይሊ ዕማም ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዑ።

ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኲናት ፅንተትን ድርቅን ስዒቡ ዝተፈጠረ ከቢድ ጥሜት ዘስዓቦ ሞት ወገናት ንምክልኻል ካብ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ሓገዝ ብምእካብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝርከቡ ወገናት ህፁፅሰብኣዊ ሓገዝ እናባፅሐ ይርከብ

ንመበል 49  ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ  ህዝቢ ትግራይ  11, ለካቲት ሰናይ ትምኒቶም ዝገለፁ እቶም ኣባላት ሐዚ እውን ንዘሎ ኩሉ መዳይ ሃሰያን ጥሜትን ብምግንዛብ እቲ ሓገዝ ክጠናኸር  ከምዝግብኦ ኣተሓሳሲቦም  

ጎይተኦም ተከስተ