Home ዜና ሓደጋ ዉሑጅ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዓብዪ ዓዲ

ሓደጋ ዉሑጅ ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዓብዪ ዓዲ

514

ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ብዕለት 17 ን 18 ን 2015 ዓ.ም ብዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ኣብ ትካል ምግባረ ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ግርማይ ከቢድ ሓደጋ ከም ዘብፀሐ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ማእኸል ንተመዛበልቱ ዝተዳለዉ ልዕሊ 3 ሚልዮን ብር ዝዋጎኦም ምግብታትን መሳርሕታት ምግብን ብዉሑጅ ከም ዝተወሰዱ እሞሆይ ፀጋ ግርማይ ንተሌቭዥን ትግራይ ገሊፀን።

ክሳብ ሕዚ መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ትካላትን ዲያስፖራን ህይወት ተመዛበልቲ ኣብ ምድሓን ክገብርዎ ዝፀንሑ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ገጢሙ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ሓገዞም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ዝፀወዓ ገባሪት ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ፀጋማት ተመዛበልቲ ብዛለቕነት ንምፍታሕ ግን ነናብ መረበቶም ክምለሱ ፃዕሪ ኽግበር ይግባእ ኢለን።

እቶም ተመዛበልቲ ብወገኖም ብሰንኪ ሓደጋ ዉሑጅ ኣብ ትካል ምግባረ ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ምግቢ ብምቁራፁ ሰብኣዉነት ዝስመዖ ኩሉ ኢዱ ክዝርገሖሎም ፀዊዖም። ብተመሳሳሊ ድማ በቲ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝወቕዐ ሓያል ዝናብን ሓደጋ ዉሑጅን ኣብ ከተማ ሕርሻ እዉን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት። ገብረመድህን ተወልደመድህን