Home ዜና ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ

ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ

549

ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ

ኣብ ክልል ዓፋር ምንፋር ዘይጀመረ ዕስለ ኣምበጣ ተጫጭሑ ስለ ዘሎ ኩለን ወረዳታት ዞባ ምብራቅ ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ምብራቅ ኣፍሊጡ።መተሓባበሪ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረፈ ከም ሓበርዎ በዝሒ ዘለዎ ግን ድማ ምንፋር ዘይጀመረ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ከባቢ ዓፋር ከባቢታት ጋላቤን፣ ድርባንን ያሎን ተፈልፊሉ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

እዚ ዕስለ ኣምበጣ ምንፋር እንትጅምር ብቀሊሉ ናብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ክመፅእ ስለ ዝኽእል ኣካላት ኣመራርሓን ሰብ ሞያ ሕርሻን ህዝቢ ኣተሓባቢሮም ክትትልን ተፍትሽን ከካይዱ ይግባእ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዘተኣኻኸቦም ሓበሬታ ከም ዘመላኽትዎ ኣንበጣ ብንጣር መልክዕ ኣብ ዉሱናት ከባቢታት ተርእዮ ዋላ እንተሃለወ እዚ ዝበሃል ጉድኣት ከም ዘይበፅሐ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም ክብል ድወት ፀብፂቡ።