Home ዜና ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ

ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ

200
0

ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ

ኣብ ክልል ዓፋር ምንፋር ዘይጀመረ ዕስለ ኣምበጣ ተጫጭሑ ስለ ዘሎ ኩለን ወረዳታት ዞባ ምብራቅ ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ምብራቅ ኣፍሊጡ።መተሓባበሪ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረፈ ከም ሓበርዎ በዝሒ ዘለዎ ግን ድማ ምንፋር ዘይጀመረ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ከባቢ ዓፋር ከባቢታት ጋላቤን፣ ድርባንን ያሎን ተፈልፊሉ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

እዚ ዕስለ ኣምበጣ ምንፋር እንትጅምር ብቀሊሉ ናብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ክመፅእ ስለ ዝኽእል ኣካላት ኣመራርሓን ሰብ ሞያ ሕርሻን ህዝቢ ኣተሓባቢሮም ክትትልን ተፍትሽን ከካይዱ ይግባእ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዘተኣኻኸቦም ሓበሬታ ከም ዘመላኽትዎ ኣንበጣ ብንጣር መልክዕ ኣብ ዉሱናት ከባቢታት ተርእዮ ዋላ እንተሃለወ እዚ ዝበሃል ጉድኣት ከም ዘይበፅሐ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም ክብል ድወት ፀብፂቡ።

Previous articleሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ንከይትግበር ዕንቅፋት ይኾኑ ብምህላዎም ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዞም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድ ማርቲን ፕላውት ፀዊዑ፡፡
Next articleማሕበር ተራድኦ ኬብሮን” ፕሮጀክት ሓደ ጥማር ንሓደ ህፃን” ብዘበል መሪሕ ቃል ኣብ ዞባ ድቡብ ትግራይ ንዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ልዕሊ 500 ሽሕ ዝዋገኦም ናውቲ ትምህርት ኣበርኪታ።