Home ዜና ሓደጋ ዝናብ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ

ሓደጋ ዝናብ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ

586

ኣብ ወረዳ ኣስገደ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ብዕለት 2 ሰነ 2015 ብዝዘነበ ህቦብላ ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ኣባይትን ተመዛበልቲ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበፀሐ ተሓቢሩ። ኣብ ወረዳ ኣስገደ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ብዕለት 2 ሰነ 2015 ብዝዘነበ ህቦብላ ንፋስ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ጉድኣት ከም ዝበፀሐ ኣተሓባባሪ እቲ ማእኸል መዕቖቢ ሓቢሮም። ብሰንኪ እቲ ዝዘነበ ከቢድ ዝናብ ድማ ልዕሊ 442 መዕቖቢ ኣባይቲ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ኣብ ልዕሊ 8 ወገናት ከቢድ ጉድኣት ኣብፂሑ ዛጊድ ኣብ ሕክምና ከም ዝርኸቡን ሓደ ወገን ድማ ከም ዝሞተ ኣተሓባባሪ እቲ ማእኸል መዕቖቢ ኣይተ ብርሃነ ግደይ ንቴሌቪዥን ትግራይ ብስልኪ ኣብዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊፆም።

ኣብቲ መዕቖቢ ጣብያ ዝርከቡ ዝተረፉ ኣባይቲ እዉን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝርከቡን ተመዛበልቲ ሐዚ እውን ቀልጢፎም ናብ መረበቶም እንተዘይተመሊሶም ገና ክረምቲ ከይኣተወ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ኣተሓባባሪ መንግስቲ ፌዴራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ንውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ተገዛእቲ ብምዃን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ከዉፅእዎምን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምልስዎም ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

#ብመለስ ኣባዲ ካብ ዘባ ሰሜን ምዕራብ