Home ዜና ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ንምምካት ዝተጣየሸ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ።

ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ንምምካት ዝተጣየሸ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ።

296

ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥምየትን ሞትን ንምድሓን ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ስርሑ ከምዝጀመረን ሰብኣውነት ዝስምዖ ኵሉ ሓገዙ ከቕርብን ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ጸዊዖም። ህዝቢ ትግራይ ጄኖሳይዳዊ ኵናትን ሕጽረት ዝናብን ዘስዓቦ ድርቅን ጥምየትን ንሞት ተቓሊዑ ኣሎ።

ዝተረፈ ህዝቢ ካብ ሞት ንምድሓን ብፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ትግራይ ከም ዝተመስረተ ይዝከር።እቲ ኮሚቴ 22 ኣባላት ዘለዉዎን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝሓቖፈን እንትኾን ‘ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ’ ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ስርሑ ከምዝጀመረ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዕላው ጌሮም።ከም ሓበሬታ ኰሚሽነር ኰሚሽን ድልውነት ሓደጋን ስግኣትን ግብረ መልስን ትግራይ ፤ ዶ|ር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር ፥ ኣብ 5 ዞባታት ዝርከቡ 32 ወረዳታትን 196 ጣብያታትን ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ንጥሜት ተቓሊዖም ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ዛጊድ ኣብ 4 ወረዳታት ጥራሕ 25 ህጻናት ዝርከብዎም 400 ወገናት ብጥምየት ሞይቶም።ሰብኣውነት ዝስምዖ ኵሉ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዝኸፈቶም ሒሳብ ቁጽሪ ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳን ፣ ባንኪ ወጋገንን ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያን ክሕግዝን ድማ ጻውዒት ቀሪቡ።

ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ድማ ልዕሊ 1300 ሰባት ሰኣን ምግቢ ሞይቶም ክብሉ ንመጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምጥቃስ ኣዘኻኺሮም።እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ 3 ባንክታት ኣካውንት ብምኽፋት ብዕሊ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ።

-ባንኪ ኣንበሳ — 00112180095-49

-ባንኪ ወጋገን — 1001077411101

-ባንኪ ንግዲ — 1000592420809

ብኤፍሬም ረደሀይ