Home ዜና ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት

ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት

326

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝተዓቈቡ ወገናት ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዕደል ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ኣስተውዒሎም ክወስዱ ከምዝግባእ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ኣገንዚቡ።

 ተፈናቐልቲ ወገናት ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዕደል ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ኣስተውዕሎም ክውስዱ ይግባእ ተባሂሉ። ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ምዕዳል ጀሚሩ አሎ።

እዚ ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ፤ ንመለለዪ መንነት ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዘዪውክል ድማ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ዶ|ር ገብረሃወርያ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዝተዓቈቡ ወገናት ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዕደል ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ኣስተውዒሎም ክወስዱ ከምዝግባእ እውን ዶ|ር ገብረሃወርያ ኣተሓሳሲቦም።

 እቲ ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ብሓይልታት ጄኖሳይድ ተወሪሩ ዘሎ ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ፣ ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ለውጢ ዲሞግራፊ ማለት እውን ምትሕንፋፅ ህዝብን መሬትን ከየስዕብ ስግኣት ከምዘለዎም ድማ ኣነፂሮም።

 መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ሓዱሽ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ተጠቒሙ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ምቊፅፃር ከምዝኽእል ዝገለጹ ዶ|ር ገብረሃወርያ መንግስቲ ትግራይ ፖሎቲካዊ ልዝብ ከካይድ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኤፍሬም_ረደሀይ