Home ዜና ሓዱሽ ዓመት ምስ ዝተፀገሙ ወገናት

ሓዱሽ ዓመት ምስ ዝተፀገሙ ወገናት

703

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ማእኸላትን ካልኦትን  ብጥምየትን ሕማምን ይሳቐዩ ንዘለው ተመዛበልቲ ምድሓን  ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ ኢሎም ገለ ገበርቲ ሰናይ ኣካላት፡፡

 እቶም ገበርቲ ሰናይ ኣካላት ብምኽንያት በዓል ሓዱሽ ዓመት ንተመዛበልቲ ሓጊዞም ፡፡

ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይፍ ብምኽንያት በዓል ሓዱሽ ዓመት ልዕሊ 95 ሽሕ ብር ዝግመት ንፅጉማት መውዓሊ ኣውደ ኣመት 3 ኣቡዑር ብምሕራድ ከም ዘከፋፈለ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ፅጋቡ ተኽለሃይማኖት ገሊፆም።

 ኣማሓዳሪ ቤተ ክርስትያን መኻነ ሰማእት እንዳጀወርግስ ቆሞስ ኣባ ኪሮስ ወ/ጀወርግስ ብወገኖም፦ ዓመት በዓል እንትነኽብር  ብሰንኪ ኲናት ካብ ወለዶም ዝተፈላለዩ ህፃናት ፣ ደኽታማትን ኣረጋውያንን  ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

 ተሓገዝቲ ወገናት ብወገኖም፦ ንዝተገበረሎም ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት ነዚ ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ተላብዮም።

 ብተመሳሳሊ ዲያስፖራ ኣይተ ሙሴ ተኣምራት ብወገኑ፦ ኣብ ሓደ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛባልቲ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ ወገናት ብወኪሉ ኣይተ ኢዮብ ገ/ፃድቕ ኣቢሉ ሙሉእ ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሩ።

 እንግዶት ምሳሕ ዝተገበረሎም ወገናት ብግደኦም፦ ተመዛበልቲ ወገናት ካብ ተፀባይነት  ሓገዝ ንክንወፅእ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮነ መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበር ትኹረት ሂቦም ክሰርሕሉ ተላብዮም።

ብመርሃዊ ተስፋይ