Home ዜና ሓዱሽ ዳይረክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ /USAID/ ኣብ ኢትዮጵያ

ሓዱሽ ዳይረክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ /USAID/ ኣብ ኢትዮጵያ

508

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ /USAID/ ንስኮት ሆክላንደር ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዳይረክተር እቲ ትካል ኮይኖም ክመርሑ ቃል ማሕላ ከምዘፈፀሙ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ሰማንታ ፓወር ኣብ ገፅ ተዊተረን ገሊፀን ፡፡ሰማንታ ፓወር ስኮት ሆክላንደር ምስቲ ኣብ ዘበነ መሪሕነቶም ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ነዊሕ ርክብ ብጥንካረ ክሳዕ ዝመርሑ ኣዝዮም ኣድላዪ ክኾኑ ኢዮም ብምባል ስራሕቶም ብዕውት መንገዲ ከምዝፍፅሙ ተተስፍየን፡፡ስኮት ሆክላንደር ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ ካብ 2009 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጀሚሮም ብዝተፈላልዩ ሞያታት ስሪሖም እዮም ፡፡ ኣብ ሃገራት ኣፍጋኒስታን ፣ ኢትዮጵያ፣ ፓኪስታን፣ ኮንጎ ብራዛቪልን ዝሰርሑ እንትኾኑ ካብ 2011 ክሳብ 2014 ኣ/ፈ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ትካል ብማሕብራዊ ሳይንስ በዓል ሞያ ኾይኖም ዝሰርሑ ብዓል ተሞክሮ ምዃኖምን ነቲ ሐዚ ተዋሂብዎም ዘሎ መሪሕነት ብዝግባእ ክመርሕዎ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ መረበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ብወይኣንተ ቡዙነህ