Home ዜና ሓድነትና ኣጠናኺርና ሰላምን ድሕንነትናን ክነረጋግፅ ይግባእ ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ኣተሓሳሲቦም።

ሓድነትና ኣጠናኺርና ሰላምን ድሕንነትናን ክነረጋግፅ ይግባእ ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ኣተሓሳሲቦም።

424

ስርቂን ክትራንን ብዝኾነ ይኹን ሃይማኖትን ባህሊን ዝተወገዘ ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ እዚ ተገንዝቡ ሰላምን ድሕንነትን ከባቢኡ ከረጋጊፅ ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ሚዕዶም፡፡

እዚ ዝርአ ዘሎ ስርቂን ክትራንን ብዝኾነ ይኹን ሃይማኖትን ባህሊን ዝተኾነነ ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ እዚ ተገንዝቡ ኣብ ሰርቂን ክትራንን ዝተዋፈሩ ብምቅላዕን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ብምግባርን ሰላምን ድሕንነትን ከባቢኡ ከረጋጊፅ ከምዝግባእ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ኣተሓሲቦም፡፡

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ትግራይ ብዘላቕነት ውሑስ ፀጥታን ሰላምን ክረጋገፅ እንተድኣ ኮይኑ ግደ ሕብረተሰብ ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣካላት ፀጥታ ግዝያው ምምሕዳር ትግራይን ዝልዓለ ብምዃኑ ኩሉ ብሓድነት ተዋድዱ ብምስራሕ ፀጥታን ድሕንነትን ከባብና ክንሕሉ ይግባእ ኢሎም ፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይሊታት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ መንነቱ ክቐይር ይግበር ከምዘሎን ንከብድ ስቃይ ተቓልዑ ብምህላዉን ግዝያው ምምሕዳር ትግራይ፣ መንግስቲ ፈደራልን ኣደራደርቲ ኣካላትን ብትኹረት ክሰርሐሉ ከምዝግባእ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ፀዊዖም ፡፡

ብተወሳኺ እዉን እቶም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዝወረርዎ መሬት ትግራይ ክወፁን ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ናብርኡ ክመርሕ እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ብሙሉእነት ናብ ተግባር ክሽረፍ ፀዊዖም።

ብበላይ ሽፈራው