Home ዜና ሓድግታትናን ታሪኽናን ብምዕቃብ ዓለም ክፈልጦን ናብ ቁጠባዊ ረብሓና ንምቕያር ተዓሊሙ ክስራሕ ከምዝግባእ...

ሓድግታትናን ታሪኽናን ብምዕቃብ ዓለም ክፈልጦን ናብ ቁጠባዊ ረብሓና ንምቕያር ተዓሊሙ ክስራሕ ከምዝግባእ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊፁ።

542

ሓድግታትናን ታሪኽናን ብምዕቃብ ዓለም ክፈልጦን ናብ ቁጠባዊ ረብሓና ንምቕያር ተዓሊሙ ክስራሕ ከምዝግባእ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ነዚ ዝገለፀ ንንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮውሃንስ ፬ይ ሙዝየም ንምህናፅ ዓሊሙ ኣብ ዝተዳለወ ዘተ እዩ።ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮውሃንስ ራባዓይ ካብ ፓሎቲካዊ መሪሕነቶምን ጅግንነቶምን ብተወሳኺ ባህልን ታሪኽን ትግራይ ኣብ ምዕቃብ ዓብይ ኣበርክቶ ከምዝነበሮምን፡ በዚ ድማ ንጅግንነቶምን ታሪኾምን ዝምጥን ሙዝየም ክህነፅ ይግባእ ክብሉ ነቶም ንጉስ ሙዝየም ንምስራሕ ዓሊሙ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዝተረኸቡ ወገናት ይዛረቡ።

ሊቀ ጳጳስ ዞባታት መቐለን ደቡብ ምብራቕን ብፁእ ኣቡነ ኢሳያስ ብግዲኦም ኣብ ሕድሕድ ገዳማትና ዘለው ሓድግታትናን ቅርስታትናን ምልክት ባህልናን ታሪኽናን ስለዝኾነ ኩሉ ክፋል ማሕበረስብ ናይ ባዕሉ ምዃኑ ተረዲኡ ክዕቅቦም ይግባእ ኢሎም።ታሪኽናን ቅያ ጀጋኑናን ብዘበናዊ ኣገባብ ብምስናድን ብምዕቃብን ዓለም ክፈልጦ ብምግባርን ናብ ቁጠባዊ ረብሓና ክነውዕሎ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ኣፅብሃ ገ/እግዚኣብሄር እዮም።

#እያሱ በርሀ