Home ዜና ሓገዝ ሃናፂ ምግቢ ንህፃናት

ሓገዝ ሃናፂ ምግቢ ንህፃናት

528

መንደር ህፃናት ኤስ ኦ ኤስ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ኣብ ኣፀጋሚ ብርኪ መነባብሮ ንዝረከባ ኣዴታት ነበርቲ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ብሕሱም ሕፅረት ምግቢ ንዝተጠቀዑ 600 ህፃናት ደቀን ሃናፂ ምግቢ ተዋሂቡወን፡፡እተን ኣዴታት ንዝተገበረለን ሓገዝ ኣመስጊነን ቐፃልነት ክህልዕዎ ድማ ፀዊዐን፡፡

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንደር ህፃናት ኤስ ኦ ኤስ ትግራይ ኣይተ ክብሮም ሓጎስ እቲ ካብ ፕሮፌሰር ሄርማን ግማይነር ዝተረኸበ ሓገዝ ሃናፂ ምግቢ ንከተማ መቐለ ከምዝተኻፋፈለ ብምግላፅ እቲ ሓገዝ ድማ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቕፅልን ብሕፅረት ምግቢ ክብደቶም ንዝነከዩ ህፃናት ዝውሃብ ሃናፂ ምግቢ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡ ንቀፃሊ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ተመሳሳሊ ሓገዝ ንምግባር ትልሚ ከምዘሎ እውን ገሊፆም፡፡

#ብሰላማዊት ገብረኣምላኽ