Home ዜና ሓገዝ ልምዓታዊ ስፍትኔት ንተመዛበልቲ

ሓገዝ ልምዓታዊ ስፍትኔት ንተመዛበልቲ

158

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ን68,855 ሰባት ተጠቀምቲ ዝገብር መደብ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ተጀሚሩ።

እቲ ሓገዝ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረከበ  ኮይኑ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ዝርከቡ ተፈናቀልቲ ብመደብ ልምዓታዊ ሰፍትኔት ክፍሊት ዝጅመር ኮይኑ እዚ ክፍሊት ን5 ወርሒ ከም ዝፀንሕን ንሓደ ስድራ 4 ሰባት ጥራሕ ተረባሕቲ ዝገብር ምኻኑ ሚኒስቴር ድኤታ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ወ/ሮ ሑርያ ዓሊ ገሊፀን።

ምብሳር እዚ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ 7 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ስልጠና እናተዉሃበ ይርከብ። እዚ መድረኽ ብምትሕብባር ሚኒስተር ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ቢሮ ማህበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካል ትግራይን ምምሕዳር ከተማ መቀለን ዝተዳለወ እንትከዉን ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል፣ ክልል ከተማ መቐለን ክፍለ ከተማታትን ከምኡ’ውን ተወከልቲ  ተመዛበልቲ ማ/ሰብ  እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተወከስናዮም ተወከልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብወገኖም እቲ ሓገዝ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ፀገም ዝመጣጠን እካ እንተዘይኮነ  ውሱን ፀገም ተመዛበልትና ክፈትሕ ይኽእል እዩ ኢሎም። ኮይኑ ግና እቲ ዘላቒ መፍትሒ ናብ መረበትና ተመሊስና ሰሪሕና ክንበልዕ በቲ ውዕሊ መሰረት ናብ መሬትና ክንምለስ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

እያሱ በርሀ