Home ዜና ሓገዝ መናፅሂ ንደቂ ኣንስትዮ

ሓገዝ መናፅሂ ንደቂ ኣንስትዮ

533

ባንኪ ዳሽን ብምትሕብባር ትካል መፍረዪ ተሓዳሲ መናፅሂ ደቂ ኣንስትዮ ሃንስ ኣብ መዑቆቢ ተመዛበልቲ ከተማ ኣኽሱም ንዝርከባ ሓደ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ  በዓል ዓይኒ ዋሪ ምኽንያት ብምግባር ኣስታት 600 ሽሕ ብር ዝግመት መናፅሂ ሓገዝ ከም ዝገበረ ኣካያዲ ስራሕ ባንኪ ዳሽን ዲስትሪክት መቐለ ኣይተ ሃይለ ካሕሳይ ገሊፆም።

እቲ ባንኪ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ዝሓበሩ ኣይተ ሃይለ ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ሕብረተሰብ ንምቅላል ደገፉ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም ።

ወናኒት ትካል መፍረዪ ተሓዳሲ መናፅሂ ወዘሪት ሃናን ኣሕመድ ብግደአን ትካለን “ሓደ መናፅሂ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ግዳያት ኲናት ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ንደቂ ኣንስቲዮ ሓገዝ መናፅሂ ይገብር ምህላው ሓቢራ።

ትካለን ዝባፅሐት ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ፀገም መናፅሂ ካብ መኣዲ ት/ቲ ክትርሕቕ የብላን ዝብል ተበግሶ ብምውሳድ ፅጉማት ደቂኣንስትዮ ንምሕጋዝ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ወይዘሪት ሃናን ገሊፃ፡፡

እተን ተመዛበልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝተገበረለን ሓገዝ ብምምስጋን ናብ መረበተን ዝምለሳሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝምልከቶ ኩሉ ትኹረት ክህበሉ ፀዊዐን።