Home ዜና ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን

ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን

1132

ዪንሴፍ  ናይ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር ዝግመት መድሓኒትን ናውቲ ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ብሓገዝ ሂቡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ እቲ ሓገዝ ናብ 32 ጥዕና ትካላት ከምዝከፋፈል ኣረዲኦም፡፡

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ዝዓነው ናውቲ ሕክምና  ትካላት ጥዕና ትግራይ ንምትካእ ዝሕግዝ ዪንሴፍ ናይ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሚልዮን ብር  ዝግመት ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምና  ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ከም ዘረከበ  ተወካሊት ዪንሴፍ ጨንፈር ትግራይ ኤልዛቤት ኦሜኬ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ እቲ ሓገዝ  ገሊፃ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ እቶም ተረኺቦም ዘለው ሓገዛ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን  ናብ 32  ጥዕና ትካላት ከም ዝከፋፈል ብምግላፅ  እቶም ናውቲ ሕክምና ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ንምቅናስ ሓገዝቲ  ከም ዘኾኑ  ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ሪፈራል ዓይደር ሆስፒታል ክፍሊ ህፃናትንበዓል ሞያ ዝኾኑ ዶክተር ኣማኒኤል ሓድጉ  እቶም ብሓገዝ መልክዕ ተረኺቦም ዘለው ሓገዝ ናውቲ ሕክምና  ኣብ ኣብ ስራሕቶም ሓገዝቲ ምኻኖም ኣብሪሆም፡፡

ኣስቴር ገብረስሉስ