Home ዜና ሓገዝ ምግብና ንተምሃሮ

ሓገዝ ምግብና ንተምሃሮ

278

ሜሪስ ሚልስ ዝተባሃለ ትካል ምግባረ ሰናይ ኣብ ወረዳ ገራዓልታ ንዝማሃሩ ልዕሊ 4ሽሕን 5 ሚኢትን ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶ ይምግብ ከምዘሎ ተፈሊጠ።

ትካል ምግባረ ሰናይ ሜሪስ ሚልስ ብሰንኪ ድርቅን ጆኖሳይዳዊ ኪናትን ዝተፈጠረ ሓደጋ ጥምየት ተምሃሮ ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቁ ብምሕሳብ ኣብ ወረዳ ገራዓልታ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ  ትምህርቲ  ንዝማሃሩ 4558 ተምሃሮ ይምግብ ከምዘሎ ምምሕዳር አታወረዳ ኣፍሊጡ።               

ቤተልሄም ፀጋይ ኣብ ወረዳ ገራዓልታ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሪት 8ይ ክፍሊ እንትኸውን ብሰንኪ ሓደጋ ጥምየት ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ከይትርሕቅ ሰግኣት ከምዝነበራ ትገልፅ።

ሐዚግና ካብቶም ብትካል ምግባረሰናይ ሜሪስ ሚልስ ብቆዋሚ ዝሕገዙ ሓንቲ ብምዃና ሰግኣታ መፍትሒ ከም ዝረኸበን ጠንኪራ ትማሃር ከምዛላን ትዛረብ።          

ቀሺ ካኣሎም ሓዱሽ እውን ነባሪ ጣብያ ባዓቲ ዓኾር አንትኾኑ ኣርባዕተ ተምሃሮ ደቆም በቲ ትካል ምግበረ ሰናይ ተሐገዝቲ እዮም።

ሓገዝ እንተዘየግበረሎም ነይሩ ምስ ደቆም ክስደቱ ምንበሮ ብምግላፅ  ሓገዝ ይገብሩ ንዘለው ወገናት ምስገነኦም ይገልፁ።

ኣብ ሙሉ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ባዓቲ ዓኾር 1177 ተምሃሮ በቲ ተካል ምግባረ ሰናይ ብቆዋሚ ይምገቡ ከም ዘለው ዝሓበራ ድማ ምክትል ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ መምህር ዘውዱ ገረዚሄር እየን።

ኣብ ወረዳ ገራዓልታ ልዕሊ 300 ተምሃሮ ብስንኪ ጥምየት ትምህርቶም ከም ዘቋረፁ ዝሓበሩ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ መምህር ወልደኣብራሃ ገብረመድህን ትካል ምግባረ ሰናይ ሜሪስ ሚልስ ኣብታ ወረዳ ንዝማሃሩ 4558 ተምሃሮ አንተዘይምግብ ነይሩ እቲ መጠን ምቁራፅ ተምሃሮ ዝኸፍአ ክኸውን ምንባሩ የብርሁ።   

መስራቲ ትካል ምግባረሰናይ ሜሪስ ሚልስ ሚስተር ማግኑስ ማክክፎርላንድ ብግድኡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስፍሓት ሓደጋ ጥምት ብኣካል ብምዕዛቡ እቲ ፕሮጀክት ንምስፋሕ ምሰ መደረግቲ ትካላት ከም ዝሰርሕ ይገልፅ።

       ብብርሃነ መስፍን