Home ዜና ሓገዝ ቢራ ሓበሻ ንፅጉማት

ሓገዝ ቢራ ሓበሻ ንፅጉማት

360

ቢራ ሓበሻ ብምትሕብባር ቃና ኢቨንት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ምርኢት ሙዚቃ ዘተኣኻኸቦ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ኣብ ዝተፈላለያ ማእኸላት መዕቆቢ ተመዛበልቲ ንዝተረኸቡን ካልኦት ዝተፀገሙ ነበርቲ እታ ከተማን ብሓገዝ ኣከፋፊሉ፡፡

ቢራ ሓበሻ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ሕብረተሰብ ንምቅላል ደገፍ ክገብር  ከምዝፀንሕ ዝሓበሩ ተወካሊ እቲ ትካል ኣይተ ሰመረ ገ/ሄር ኣብ ቀፃሊ እውን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ሓቢሮም፡፡

ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ንዝተገበረ ደገፍ ብምምስጋን ካብ ተፀባይነት ተናጊፎም ስሩዕ ሂወቶም ንክመርሑ ናብ መረበቶም ንክምለሱ ትኩረይ ክወሃቦ ይግባእ ኢሎም፡፡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ተፈሪ ሃይለመለኮት ቢራ ሓበሻ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ሕብረተሰብ ንምቅላል ዝወሰዶ ተበግሶ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር ካልኦት እውን ተስፈኦም ከሐይሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም ከም ፀብፃብ