Home ዜና ሓገዝ ቢዝነስ ግሩፕ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንምጥንኻር ትምህርቲ

ሓገዝ ቢዝነስ ግሩፕ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንምጥንኻር ትምህርቲ

526

ቢዝነስ ግሩፕ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንምጥንኻር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ ዝውዕል 500 ሽሕ ብር ሓገዝ ኣበርኪቱ።እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ገንዘብ ንመጠናኸሪ ስራሕቲ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ዝውዕል ኮይኑ ንካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲሓቂ 300 ሽሕ ብር፣ ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ክፍለ ከተማ ዓዲሓቂ ድማ 200 ሽሕ ብር እዩ።

እዚ ሓገዝ ዝተገበረ ኣብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ሓቂ በቲ ትካል ክግበር ዝፀነሐ መርሃ ግብሪ ምግብና ተምሃሮ ንምዝዛም ኣብ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ኾይኑ፤ መቐፀልታ እቲ ንተምሃሮ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ መቐለ ዝተገበረ ናይ ሓደ ወርሒ ምግብና ምዃኑ ኣመሓዳሪ ክፍለከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ኤልያስ ኪሮስ ሓቢሮም።

ብጆኖሳይዳዊ ኵናት ዝዓነወት ትግራይ ደጊምካ ንምህናፅ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ምስራሕ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ነቲ ሓገዘ ዘበርከቱ ወናኒ ኖርዘርን ሆቴል ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ፤ንቐፃሊ ውን ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብምርግጋፅ ካልኦት ሰብ ሃፍቲ እውን ህዝቢ ንምሕጋዝ ፃውዒት መንግስታዊ ኣካል ክፅበዩ የብሎም ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ዋላ ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይንካ ዝተጀመረ ትምህርቲ ንምጥንኻር ንዝሓገዙ ኣይተ ዘርኡ ገበረሊባኖስ፣ ካልኦት ሰብሃፍትን ማሕበረሰብ ትምህርትን ትግራይ ብምምስጋን ፤ኹነታት ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ ኹሉ በቢዝኸኣሎ ክሕግዝ ፀዊዖም።

ክሳብ ሐዚ ልዕሊ ዒስራን ክልተን ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ንማሕበረሰብ እተን ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝሓገዙ ኣይተ ዘርኡ ገበረሊባኖስ በቲ ማሕበረሰብ እውን ምስጋናን ናይ የቐንየልና ሽልማታት ተበርኪቱሎም።

#ብሳሙኤል ገብረታትዮስ