Home ዜና ሓገዝ ናዉቲ ሕክምናን ላቦራቶርን ንትካላት ጥዕና ትግራይ

ሓገዝ ናዉቲ ሕክምናን ላቦራቶርን ንትካላት ጥዕና ትግራይ

561

ዓለም ለኸ ትካል ኣይ ካፕ ምስ በዓል መዚ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ፌዴሪኢ ብምትሕብባር ብ25 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ብኲናት ንዝዓነዋ ትካላት ጥዕና ፀገም ዘቃሊሉ ናዉቲ ሕክምና ፣መሳርሕታት ላቦራቶርን ካልኦት ኣቑሑት ኣብያተ ፅሕፈትን ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣረኪቡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ፌዴሪኢ ኣይተ ፋሲካው ሞላ እቶም ሕዚ ዝመፁ ሓገዛት ንኤች ኣይቪ ምርመራን ሕክምናን ዝዉዕሉ ከምዝኾኑን ትካሎም እቶት ብምትእኽኻብ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ቀፃላይ ሓገዝ ከምዝገበር ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ እቶም ሕዚ ኣትዮም ዘለው ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ላቦራቶርን ኣብ 45 ትካላት ጥዕና ትግራይ ንኤች ኣይ ቪ ግልጋሎት ከምዝህብ ብምሕባር ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጄኖሳይዳዊ ኲናት 85 ሚእታዊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ብክፋልን ብሙሉእን ብምዕናወን ካልኦት ትካላት እዉን ሓገዘን ከበርክታ ፀዊዖም።

#ብገብረመድህን ተወልደመድህን