Home ዜና ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ሳሓርቲ

ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንተምሃሮ ሳሓርቲ

600

ሓደ ኣብራሃም ማርዮ ዝተብሃለ ግዱስ ትግራዋይ ምስ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ተጋሩ ብምትሕብባር ኣብ ዞባ ደቡብ ሞብራቕ ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ እትርከብ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህቲ ሓርነት ንዝመሃሩ ተምሃሮ ብ240 ሽሕ ቅርሺ ወፃኢ ዝተዓደገ ናውቲ ትምህቲ ሓጊዙ።እቲ ሓገዝ ናዉቲ ንኣስታት 300 ተምሃሮ ነብሲ ወከፎም 6 ደፍተር፣ሓደ ቦርሳ፣ 2 ቢሮን እርሳስን ድጋፍ ተገይርሎም።

ርእሰ መምህር ቤት ትህርቲ ሓርነት መ/ር ገ/ማርያም ተስፋይ ብወገኖም እቲ ብተወለድቲ ተጋሩ ዝተገበረ ድጋፍ ናውቲ ትምህርቲ ኣመስጊኖም ፤ ኮይኑ ግና እቲ ቤት ትምርህቲ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነወ ብምዃኑ ካልኦት እዉን ዝያዳ ኩለ መዳያዊ ሓገዛት ክገብሩ ተላብዮም።

ብሰንኺ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዘፈር ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሃሰያ ከም ዘሎን ዝገለፁ ተወካሊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ሰለሙን ገ/ታትዮስ ፣ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ኣብ ምምላእ ናዉቲ ትምህርቲ ተምሃሮ ትግራይ ክዓስል ይግባእ ኢሎም።ኣማኻሪ ጉዳያት ማሕበራዊ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ተስፉ ጌታቸው ብወገኖም ዋላእኳ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ኣብያተ ትምህርትና ዝዓነዋ እንተኾና ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምርቲ ተመሊሶም ክመሃሩ ዝካኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና ኢሎም።

ብመርሃዊ ተስፋይ