Home ዜና ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

564

ግዱሳት ድያስፖራ ደቂ ኣንስትዮ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብ ወረዳ ሰየምቲ ጣብያ ዓዲ ክልተ ንዝርከቡ ተምህሮ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ገይረን ፡፡ እተን ኣብ ኣሜርካ፣ካናዳ፣ ኣውሮፓን ኣውስትራልያን ዝነብራ ዳያስፖራ ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ሕብረት ወንጌላውያን ዝሃበኦ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲን ክዳውንቲን ኮይኑ እቲ ሓገዝ ጠንክሮም ንክምሃሩ ሞራል ከም ዝፈጠረሎም ድማ ተምሃሮን ወለዲን ገሊፆም ፡፡

ኣተሓበበሪት እቲ ሓገዝ ወ/ሮ ሪሻን ኣለማዮህ ተምሃሮ ብሰንኪ ስእነት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክተርፉ የብሎምን ኢለን ከምዝለኣኸኦን ከከም በዚሕ ዓይነት ትምህርቶም ደፍተር፣ብርዕን እርሳስን ክዳውንቲን ከምዝተዓደሉ ድማ ገሊፀን ፡፡

ተምሃሮ ብወገኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ዕንወት ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ክላስ ናብ ዳስ ካብ ሙሉእ ፓኬጅ ናውቲ ትምህርቲ ናብ ብጥጣስ ወረቐት ጌሮም እናተምሃሩ ከም ዝርከቡን ኣብ ኣፀጋሚ ኵነታት ከም ዝርከቡን ብምሕባር እቲ ሓገዝ ብውምዱ ፀገም ከቃልለሎም ከም ዝኽእል ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ሰየምቲ ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ መ/ር ፍቃዱ ተስፋሂወት ኣብታ ወረዳ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዋላእኳ እንተተጀመረ ብሰንኪ ዕንወት ኣብያተ ትምህርቲን ስእነት ናዉት ትምህርቲን ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምሃብ ኣፀጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ብምግላፅ እቲ ዝግበር ዘሎ ሓገዛት ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም ፡፡

ብበላይ ሽፈራው