Home ዜና ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

602

ኣባላት ማሕበር ተወለድቲ ክልተ ኣውላዕሎ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ከተማ ውቕሮን ከባቢኣን ንዝርከባ 5 ወረዳታት ንዝመሃሩ ተምሃሮ ብልዕሊ 600 ሽሕ ቅርሺ ዝግመት ወፃኢ ብምዕዳግ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ገይሮም።

ኣባላት ማሕበር ተወለድቲ ክልተ ኣውላዕሎ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተርፍ ተምሃራይ ንከይህልው፣ ኣብ ከተማ ውቕሮን ከባቢኣን ኣብ ዝርከባ 5 ወረዳታት ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመሃሩ ተምሃሮ ነብሲ ወከፍ 6 ደፍተር፣ብርዒን እርሳስን ደገፍ ከም ዝገበሩ ወኪል እታ ማሕበር ዶ/ር ደስታ ጊደና ሓቢሮም።

ተሓገዝቲ ተምሃሮ ነቲ ብኣባላት ማሕበር ተወለድቲ ክልተ ኣውላዕሎ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ንዝተገበረሎም ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣመስጊኖም።

ከንቲባ ከተማ ውቕሮ ኣይተ ሙሉ ማሩ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ዓንየን ከምዘሎዋ ብምዝኽኻር ፣ ብሰንኪ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተርፍ ዋላ ሓደ ተምሃራይ ንከይህሉ ሰናይ ተግባር ኣባላት ማሕበር ተወለድቲ ክልተ ኣውላዕሎ ካልኦት ኣካላት እውን ክስዕብዎ ከም ዝግባእ ፀዊዖም።

#መርሃዊ ተስፋይ