Home ዜና ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

494

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝርከባ ምሉእ 1ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ መልባን ሰሰላን ንዝርከቡ 1000 ፅጉማት ተምሃሮ ብልዕሊ 350 ሽሕ ብር ዝተዓደጉ 34 ካርቶን ደብተር፣ኣስታት ሓደ ሽሕ እስክርቢቶ ከምኡ’ውን 10 ፀሊም ሰሌዳ ሓገዝ ከም ዝገበረት ኣካያዲት ስራሕ እታ ትካል ወይዘሪት ገነት ብርሃኑ ገሊፃ።

ተምሃሮን ወለድን ንዝተገበረ ኩሉ ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ንዝነበሮም ሕፅረት ናውቲ ት/ቲ ብምቅላል ትምህርቶም ብኣግባቡ ንክከታሉ ከም ዘኽእሎም ተዛሪቦም።መምህራን ብግደኦም እቲ ሓገዝ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ት/ቲ መሊኦም ንክኸቱ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።

ሓላፊ ቤት ፅ/ት ‘ታ ወረዳ ኣይተ ታረቀ ታደሰ ተምሃሮ ሰኣን ደብተርን እስክርቢቶን ካብ መኣዲ ት/ቲ ከይርሕቑ ሕ/ሰብ ኣሰር ኣባላት እታ ማሕበር ብምስዓብ ተሳትፎኡ ከሐይል ፀዊዖም።

#ሃፍቶም ረዳ