Home ዜና ሓገዝ ናውቲ ትምህርትን ህንፀት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርትን

ሓገዝ ናውቲ ትምህርትን ህንፀት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርትን

701

ትካል ዩኤን ኦፕስ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቆራሮ ሓገዝ ናውቲ ትምህርትን ሙሉእ ዳግመ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን እናካየደ ከም ዝርከብ ኣፍሊጡ፡፡ ዝዓነወ ትምህርቲ ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ተምሃሮ ትግራይ ንምሕጋዝን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ደገፎም ክቅፅሉ ድማ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ፀዊዑ፡፡

ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮናን ጀኖሳይዳዊ ኩናትን ንብርክት ዝበሉ ዓማውቲ ካብ ትምህርቲ ርሒቖም ዝነበሩ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቆራሮ ብዩንኦፕስ ዝተገበረሎም ሓገዝ ናውቲ ትምህርትን ዓንዩ ዝነበረ ቤት ትምህርቶም እንትህነፅ ዝፈጠረሎም ተስፍ ዕዙዝ ምዃኑ ይዛረቡ፡፡ተምሃሮ እዚ ቤት ትምህርቲ ብዘይ ናውቲ ትምህርቲ ከም ዝጀመሩን እዚ ደገፍ ተጠናኺሩ ኽቅፅል ኣለዎ ኢሎም ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ መምህር ገብረግዚኣብሄር ገሊፆም ፡፡

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንየን ከም ዘለዋን ነዚኣተን ንምፅጋን በዚ ገባሪ ሰናይ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ዝምስገን ኢዩ ዝበሉ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረጅወርግስ ገ/ኺዳን እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዳግመ ሕውየት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም፡፡

ተወካሊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ዘገየ ኣርኣያ ዝዓነወ ትምህርቲ ትግራይ ዳግም ንምህናፅን ተምሃሮ ትግራይ ንምሕጋዝን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ደገፎም ክቕፅሉ ፀዊዖም።ትካል ገባሪ ሰናይ ዩንኦፕስ ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ኣብ ዓውደ ጥዕና፣ትምህርትን ሕርሻን ንምስራሕ ትልሚ ሒዙ ከም ዘሎን ዛጊድ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቆራሮ እቲ ዝዓነወ ሙሉእ ፅገና ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ብምሕባር ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ድማ ከም ዝገበረ ተወካሊት እቲ ገባሪ ሰናይ ሻሮን ችፕ ኮኒ ተዛሪበን፡፡እቲ ትካል ኣብ 41 ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ መሉእ ህንፀት የካይድ ከም ዘሎን ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ እዉን ንሓረስቶት ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከብን ተገሊፁ።

#ብሃፍታይ ባህረ