Home ዜና ሓገዝ ንቤተክርስትያን

ሓገዝ ንቤተክርስትያን

524

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነባርነቶም ኪሮስ መስፍንን የማነ ግርማይን ዝተበሃሉ ጉዱሳት ተጋሩ ካብ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ድያስፖራ ትግራይ ዘተኣካከብዎ ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ኣብ ወረዳ ሰላዋ ንዝርከብ ቅዱስ ጅወርግስ ቅብፅያ ሓድነት ገዳም ብተወካሊኦም ኣይተ ሃፍቶም መስፍን ኣቢሎም ሓገዝ ገይሮም።

 ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ኣመሓዳሪ እቲ ገዳም ኣባ ገብረሚካአል ንጉስ ነቲ ሰናይ ተግባር ብምንኣድ እንተኾነ ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ገዳም ዓንዩ መነኮሳትን ምእመናትን ዉን ግዳይ ጥሜትን ሞትን ኮይኖም እዮም ዝበሉ ኮይኖም ነዚ ድማ እቲ ገዳም መሊስካ ንምህናፅን ኣብ ኣፍ ሞት ዘለዉ መነኮሳትን ምእመናትን ንምድሓንን ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ክሕግዞም ተማሕፅኖም።

 ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ተሳጢሑ ከምዝርከብ ዝገለፁ ነቲ ሓገዝ ዘርከቡ ኣይተ ሃፍቶም መስፍንን ኣባል ኮሚቴ እታ ገዳም ኣይተ በርሀ ዘርኡን ድማ ድያስፖራ ትግራይ ዝገብርዎም ዘለው ዘተባብዑ ደገፋት ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይ እውን ወገኑ ዝሕግዘሉ እዋን ሕዚ ምዃኑ ተገንዚቡ እጃሙ ከበርክት ይግባእ ኢሎም፡፡

ህይወት ሺበሺ