Home ዜና ሓገዝ ንተመዛበልቲ

ሓገዝ ንተመዛበልቲ

651

ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን መካነ እየሱስ ትግራይ ን300 ዝተፀገሙን መራሕቲ ስድራ ተመዛበልቲ ወረዳ እንዳ መኾኒን ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ዝተዓደገ ፊኖ፣ ዘይቲን ብርስንን ሓገዝ ገይራ።

ዳይሬክተር ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ወንገላዊት ቤተ ክርስትያን መካነ እየሱስ ኣይተ ደስታ ሃደራ ብሰንኪ ምቁራፅ ሰባኣዊ ሓገዝ ህዝቢ ትግራይ ንዝኸፈአ ዓፀቦ ተሳጢሑ ከምዘሎ ብምግላፅ ነዚ ብውስን መልክዑ ንምቅላል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ፊኖ፣ ዘይቲን ብርስንን ሓገዝ ከምተገበረ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ቕድም ክብል ንሓረስታይ ዝኸውን ምሩፅ ዘርኢ ድጋፍ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ኣይተ ደስታ ብቐፃሊ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዓጾቦን ሓሰያን ክሳብ ዝናገፍ እታ ቤተክርስትያን ሓገዝ ከምትገብር ገሊፆምም።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ወረዳ እንዳ መኾኒ ወ/ሮ ቅድሳን ረዳኢ ብወገነን ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንሕሱም ጥምየት ተሳጢሑ ዝነበረ ህዝቢ ብውስን መልክዑ ንምሕጋዝ ወንገላዊት ቤተ ክርስትያን መካነ እየሱስ ጨንፈር ትግራይ ንዝገበረቶ ሓገዝ ኣመስጊነን።

ሓገዝ ዝተገበረለን ወገናት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ንዝኸፈአ ፀገም ምስጠሐንን ብዉስን መልክዑ ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁ ስዒቡ እውን ንሕሱም ጥምየት ከምዝተሳጥሑ ብምግላፅ ነቲ ዝተገበረለን ሓገዝ ኣመስጊነን።

#ብኣስናቀ መሓመድ