Home ዜና ሓገዝ ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ

ሓገዝ ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ

629

ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ 100 ሚሊዮን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ድማ 3 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ኣበርኪቱ። እቲ ሓገዝ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት በቢብርኩ ከምዝኽፈል ፕሬዝዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ዳኤል ተኸስተ ገሊፆም። ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር ብወገኖም፡ ባንኪ ኣንበሳ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ምሕጋዙ ንሕድሕድ ትግራዎይ ከም ምሕጋዝ ማለት ኢሎም። ነዚ ድማ ዝለዓለ ክብሪ ኣለና፡ ትምህርቲ ትግራይ ንምሕዋይ ድማ ዝከኣለና ኩሉ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ብተወሳኺ እቲ ባንኪ ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ 3 ሚልዮን ብር ሓጊዙ ኣሎ። እዚ ድማ ንመግዝኢ ፀሊም ሰሌዳ ዝውዕል ምዃኑ ፕሬዝዳንት እቲ ባንኪ ሓቢሮም። ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ብወገኖም ኣብ ትምህርቲ ዝበፅሐ ዕንወት ንምሕዋይ ባንኪ ኣንበሳ ዝገበሮ ሓገዝ ካልኦት ትካላት ክስዕብዎ ይግባእ ኢሎም።

#ኢያሱበርሀ