Home ዜና ሓገዝ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ

ሓገዝ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ

533

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትግራይ ኣብ ትምህርቲ ዝበፅሐ ዕንወት ዳግም ንምህናፅን ናውቲ ትምህርቲ ንምምላእን ዓሊሙ ሓገዝ ኣበርኪቱ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ሎሚ 11 ሰነ 2015 ዓ /ም 10 ሚልዮን ጥረ ገንዘብ 1 ነጥቢ 1ሚልየን ብር ዝግመቱ ድማ ዝተፈላለዩ ናውቲ ሓገዝ ንሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣረኪቡ።ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ፕሬዚዳንት ምምሕዳር ኣገልግሎት ተምሃሮ ዶ/ር ማቴዎስ ይሰርሙ ኢዮም።