ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትግራይ ኣብ ትምህርቲ ዝበፅሐ ዕንወት ዳግም ንምህናፅን ናውቲ ትምህርቲ ንምምላእን ዓሊሙ ሓገዝ ኣበርኪቱ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ሎሚ 11 ሰነ 2015 ዓ /ም 10 ሚልዮን ጥረ ገንዘብ 1 ነጥቢ 1ሚልየን ብር ዝግመቱ ድማ ዝተፈላለዩ ናውቲ ሓገዝ ንሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ኣረኪቡ።ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ፕሬዚዳንት ምምሕዳር ኣገልግሎት ተምሃሮ ዶ/ር ማቴዎስ ይሰርሙ ኢዮም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/2-31-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/3-30-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/4-26-1024x576.jpg)