Home ዜና ሓገዝ ዲያስፖራ ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር

ሓገዝ ዲያስፖራ ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር

172

ኣብ ሰዊዘርላንድን ኣሜሪካን ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይ ልዕሊ 1 ሚልዮን ብር ንሪፈራል ሆስፒታል ዓደር ሓጊዞም፡፡

ኣብ ሰዊዘርላንድን ኣሜሪካን ዝነብሩ ግዱሳት ዲያስፖራ ትግራይ ንመግዘኢ ናውቲ ሕክምና ዝውዕል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሓጊዞም፡፡

ብዝነበረ ፅንተታዊ ኵናት ስርዓተ ጥዕና ትግራይ ምዕናው ስዒቡ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር እውን ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ዝርከብ ዝበሉ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ኣብርሃ ገ/እግዝኣብሄር እቲ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኽሩ ክቕፅል ፀዊዖም፡፡

ማሕበር ተጋሩ ነበርቲ ስውዘርላንድ 655 ሽሕ ብር ፣ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ስድራ ነብሰሄር ወ/ሮ ፃድቃን ውሬታ 340 ሽሕ ብር፣ ኣለም ኣዳነን ኣፀደ ሃይሉን ዝተብሃላ ነበርቲ ኣሜሪካ ድማ 100 ሽሕ ብር ብድምር ልዕሊ 1 ሚልዮን ብር ንመግዘኢ ናውቲ ሕክምና ዝውዕል ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብሓገዝ ሂቦም፡፡

ነቶም ግዱሳት ድያስፖራ ትግራይ ወኪሎም ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ወገናት ብግደኦም ሰብ ሞያ ጥዕና ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዘለው ፀገማት ተፃውሮም ብዘለዎም ክእለትን ፍልጠትን ህይወት ወገናት ንምድሓን ዝገብርዎ ዘለው ፃዕሪ ዝምስገን ከምዝኾነ ብምሕባር ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ምሕጋዝ ማለት ህዝቢ ትግራይ ካብ ሞት ምድሓን ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ገጢምዎ ብዘሎ ሕፅረት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንሕብረተሰብ ዝተማለኣ ግልጋሎት ንምሃብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝርከብ ዝገለፁ ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ኣብርሃ ገ/እግዝኣብሄር እቲ ሆስፒታል ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝተገበረ ፃዊዒት እዞም ግዱሳት ዲያስፖራ ትግራይ ዝገበርዎ ሓገዝ ብምንኣድ እዚ ሰናይ ተግባር ብኻልኦት እውን ተጠናኽሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም፡፡

ብታደለ ዳኘው