ኣብ ኣሜሪካ፣ እስራኤልን ስዑድ ዓረብን ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይን ኤርትራን ንክልተ ሽሕ መራሕቲ ስድራ ከተማ ዛላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ሓገዝ ሂቦም፡፡እቲ ሓገዝ ንህዝቢ ዝረከቡ ኮሚቴ ልምዓት ከተማ ዘላምበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ልዕሊ 70 ሚኢታዊ እቲ ሓገዝ ካብ ዲያስፖራ ኤርትራ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም፡፡
ኣብቲ ብዲያስፖራ ትግራይን ኤርትራን ንህዝቢ ከተማ ዘላንበሳን ወረዳ ጉለመኸዳን ዝተገበረ ሓገዝ ኤርትራዊያን ስደተኛታት እዉን ተሓጊዞም እዮም፡፡
ሓገዝ ዝተገበረሎም ወገናት ብግደኦም ኤርትራውያን ዲያስፖራ ምስ ዲያስፖራ ትግራይ ብምትሕብባር ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ምሕዝነትን ሕውነትን ክልቲኦም ህዝብታት ዘጠናኽር ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዘልኣለማዊ ደምነት ንምትካል ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣባላት ልምዓት ኮሚቴ ከተማ ዛላንበሳን ጉለመኸዳን ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝህነፅ ዘሎ ናይ ፅልኢ ህንፃ ብሓበራዊ ቅልፅም እቶም ህዝብታት ከም ዝፈርስ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዝ ምስክር እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ሓገዝ ዘይኮነ ዓብይስ ናይቲ ሓገዝ ትርጉም እዩ ድማ ይብሉ ፡፡
ህዝቢ ከተማ ዘላምበሳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተዓቒቡ ከምዝርከብ ድማ መረዳእታ ምምሕዳር ከተማ ዘላምበሳ የመላኽት፡፡
ብሰለሙን በርሀ