Home ዜና ሓገዝ ግልጋሎት ማሕረስ ብትራክተር

ሓገዝ ግልጋሎት ማሕረስ ብትራክተር

646

ካብ ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ብሓገዝ ተዋሂበን በቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ናብ ዞባታት ዝተኸፋፈላ ትራክተራት ግልጋሎት ምሃብ ጀሚረን።ካብተን ቅድሚ ሰሙን ናብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ካብ ዝተኸፋፈላ ትራክተራት ድማ ዕለት 6 ሰነ 2015 ዓ/ም ኣብቶም በቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብዑሮም ካብ ዝሰኣኑ ሓረስቶት ኣብ ዝተመረፃ ሰለስተ ጣብያታት ወረዳ እንደርታ ናፃ ግልጋሎት ማሕረስ ክህባ ጀሚረን፡፡ብሰንኪ ስእነት ኣብዑርን ዘርእን ከይተሓረሰን ከይተዘረአን ዝኸርም ግራት ሓረስታይ ክህልው ኣይግባእን ብዝብል ብክላስተር ስርናይ ክዘርኣ ተባሂለን ኣብ ዝተመረፃ ከባቢታት ንዝርከቡ ሓረስቶት ናፃ ግልጋሎት ማሕረስ ዝረኽብሉ ዕድል ስለዝተፈጠረ ሕጉሳት ኢና ክብሉ ድማ ተጠቀምቲ ሓረስቶት ገሊፆም፡፡

ፀገም ሓረስታይ ብምርዳእ ናፃ ግልጋሎት ማሕረስ ዝረኽቡሉ ዕድል ምምችቻው ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዋላኳ ዝነኣድ እንትኾነ ዛጊድ ግና ቀረብ ምሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ክቐርብ ኣይክኣለን ክብሉ እቶም ሓረስቶት መረረቶም ገሊፆም፡፡ኣብተን ሰለስተ ጣብያታት ዘሎ ልዕሊ 100 ሄክታር መሬት ብናፃ ከምዝሕረስ ዝገለፀ እቲ ወረዳ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙርያ ድማ ዓቕሚ ዘለዎም ሓረስቶት ንፅምዲ ሓደ ሽሕ ብር እንዳኸፈሉ ግራውቶም ብሰለጤን ዝሓርስሉ ኩነታት ክህልው እዩ ኢሉ፡፡

ኣብ ጉዳይ ቀረብ ሙሩፅ ዘርእን ዘመናዊ ድኹዕን ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ግና ዛጊድ ዝተውሃበና ቀረብ የለን ዝበለ እቲ ወረዳ ተስፋታት ከምዘሎ ግና ሓቢሩ፡፡

#ብሕሉፍ ካሕሳይ