Home ዜና ሓገዝ ፋብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ

ሓገዝ ፋብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ

569


ፋብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ 3 ሚልዮን ዝዋግኡ ልዕሊ 400 ኩንታል ፊኖ አብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ 4 ሺሕ ተመዛበልቲ ወገናት ሓገዝ ገይሩ ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛብሎም አብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ህፃናት ፣ ነፍሰፁር አዴታት ፣ አረጋዊያንን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ተመዛበልቲ ወገናት አብ ከብድ ፀገም ይርከቡ ።

ፀገም እዞም ተመዛበልቲ ወገናት ዝተገንዘበ አብ ምስረታ ዝርከብ አክስዮን ማሕበር ፋብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ ድማ ን4 ሺሕ ተመዛበልቲ ብ 3 ሚልዮን ብር ዝተዓደገ ልዕሊ 400 ኩንታል ፊኖ ሓገዝ ዝገበረ እንትኾን ንዝተገበረሎም ሓገዝ ተመዛበልቲ አመስጊኖም ።

ሐዚ እውን እቶም ተመዛበልቲ አብ ከብድ ፀገም ብምህላዎም ብዘላቕነት ካብዚ ፀገምን ተፀባይነትን ወፂኦም ናብ ንቡር ስርሖም ተመሊሶም መነባብርኦም ንክመርሑ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን ናብ መረበቶም ክምልስዎም ፀዊዖም ።

ፕረዝዳንት ቦርድ አክስዮን ማሕበር ፍብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ አይተ አሸናፊ ሃይሉ ሓደ ፋብርካ እንትምስረት ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ እዩ ፤ በዚ ድማ ትካልና እውን አብ ፀገም ንዝርከቡ 4 ሺሕ ተመዛበልቲ ልዕሊ 400 ኩንታል ፊኖ ሓገዝ ገይርና አለና ኢሎም ።

ጉዳይ ተመዛበልቲ ሰብአዊነት ዝስምዖ ኩሉ ዝምልከቶ ብምዃኑ ኩሉ ንተመዛበልቲ ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣይተ ኣሸናፊ ገሊፆም።

#ብበላይ ሽፈራው