ፋብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ 3 ሚልዮን ዝዋግኡ ልዕሊ 400 ኩንታል ፊኖ አብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ 4 ሺሕ ተመዛበልቲ ወገናት ሓገዝ ገይሩ ።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛብሎም አብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ህፃናት ፣ ነፍሰፁር አዴታት ፣ አረጋዊያንን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ተመዛበልቲ ወገናት አብ ከብድ ፀገም ይርከቡ ።
ፀገም እዞም ተመዛበልቲ ወገናት ዝተገንዘበ አብ ምስረታ ዝርከብ አክስዮን ማሕበር ፋብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ ድማ ን4 ሺሕ ተመዛበልቲ ብ 3 ሚልዮን ብር ዝተዓደገ ልዕሊ 400 ኩንታል ፊኖ ሓገዝ ዝገበረ እንትኾን ንዝተገበረሎም ሓገዝ ተመዛበልቲ አመስጊኖም ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/1-19-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/2-18-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/3-15-1024x576.jpg)
ሐዚ እውን እቶም ተመዛበልቲ አብ ከብድ ፀገም ብምህላዎም ብዘላቕነት ካብዚ ፀገምን ተፀባይነትን ወፂኦም ናብ ንቡር ስርሖም ተመሊሶም መነባብርኦም ንክመርሑ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን ናብ መረበቶም ክምልስዎም ፀዊዖም ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/5-8-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/6-3-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/7-1024x576.jpg)
ፕረዝዳንት ቦርድ አክስዮን ማሕበር ፍብርካ ስሚንቶ ቶጎጋ አይተ አሸናፊ ሃይሉ ሓደ ፋብርካ እንትምስረት ፀገም ሕብረተሰብ ንምፍታሕ እዩ ፤ በዚ ድማ ትካልና እውን አብ ፀገም ንዝርከቡ 4 ሺሕ ተመዛበልቲ ልዕሊ 400 ኩንታል ፊኖ ሓገዝ ገይርና አለና ኢሎም ።
ጉዳይ ተመዛበልቲ ሰብአዊነት ዝስምዖ ኩሉ ዝምልከቶ ብምዃኑ ኩሉ ንተመዛበልቲ ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣይተ ኣሸናፊ ገሊፆም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/4-11-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/8-1024x576.jpg)
#ብበላይ ሽፈራው