Home ዜና ሓፈሻዊ ጉባኤ ዕቋር ፋና መናእሰይ

ሓፈሻዊ ጉባኤ ዕቋር ፋና መናእሰይ

526

ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ መበል 14 ሓፈሻዊ ጉባኤኣ ኣሳሊጣ።ብ2006 ዓ.ም ዝተመስረተት ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ሐዚ በዝሒ ኣባላታ ልዕሊ 20 ሽሕ በፂሑ ከምዘሎ ኣብቲ ዋዕላ ተሓቢሩ።

ማሕበር ዕቋር ፋና መናእሰይ ክሳዕ ሐዚ ንኣባላታ 830 ሚልዮን ብር ልቓሕ ከምዝሃበት እውን ተገሊፁ።ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንዝሓለፉ ዓመታት ንኣባላታ ልቓሕ ምሃብ ጠጠው ኣቢላ ዝፀንሐት እዛ ትካል ፋይናንስ ካብ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ/ም ጀሚራ ልቓሕ ምሃብ ከምትጅምር ድማ ኣፍሊጣ። ናብ ብርኪ ባንኪ ንምዕባይ ዓሊማ ትስርሕ ከምዝነበረትን ኮይኑ ግና ብስንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ እዚ ክሳለጥ ከምዘይተኽኣለን እዚ ተቛሪፁ ዝነበረ ትልሚ ዳግም ከምዝጅመርን ተሓቢሩ ።

#እያሱ በርሀ