ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ መበል 14 ሓፈሻዊ ጉባኤኣ ኣሳሊጣ።ብ2006 ዓ.ም ዝተመስረተት ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ሐዚ በዝሒ ኣባላታ ልዕሊ 20 ሽሕ በፂሑ ከምዘሎ ኣብቲ ዋዕላ ተሓቢሩ።
ማሕበር ዕቋር ፋና መናእሰይ ክሳዕ ሐዚ ንኣባላታ 830 ሚልዮን ብር ልቓሕ ከምዝሃበት እውን ተገሊፁ።ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንዝሓለፉ ዓመታት ንኣባላታ ልቓሕ ምሃብ ጠጠው ኣቢላ ዝፀንሐት እዛ ትካል ፋይናንስ ካብ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ/ም ጀሚራ ልቓሕ ምሃብ ከምትጅምር ድማ ኣፍሊጣ። ናብ ብርኪ ባንኪ ንምዕባይ ዓሊማ ትስርሕ ከምዝነበረትን ኮይኑ ግና ብስንኪ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ እዚ ክሳለጥ ከምዘይተኽኣለን እዚ ተቛሪፁ ዝነበረ ትልሚ ዳግም ከምዝጅመርን ተሓቢሩ ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/2-39-1024x768.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/07/3-31-1024x768.jpg)
#እያሱ በርሀ