Home ዜና “ሓፍተይ ብሞት ስኢነ ” ነባራይ ወረዳ ፃዕዳ እምባ

“ሓፍተይ ብሞት ስኢነ ” ነባራይ ወረዳ ፃዕዳ እምባ

345

ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ  ብሰንኪ ድርቂ  ሂወት ቡዙሓት ወገናት ይሓልፍ ከም ዘሎ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡ጓል 56 ዓመት ወ/ሮ ብርሃን ኣደም ነባሪት ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ሓዊለ እየን፡፡

ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ዓ/ም ህይወተን ከም ዝሳኣና ዓብይ ሓወን ኣይተ ኢብራሂም ኣደም ይዛረቡ፡፡”ሓፍተይ ምግቢ ብምስኣና ኣነ እውን ከምኣ ስለ ዝጠመኹ ክሕግዛ ኣይካኣልኩን በዚ ድማ እዩ ሂወት ሓፍተይ ስኢነ ዘለኹ” ይብሉ፡፡

እዚ ታሪኽ ወ/ሮ ብርሃን ኣደም ከም ኣብነት ወሲድና እምበር ነበርቲ ጣብያ ሓዊለን ራዒለን ብሓደጋ ድርቂ ከርፋሕ ናብራ እናሕለፋ ከም ዝርከቡን ንሕማምን ሞትን ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ እዮም ዝገልፁልና፡፡

ኣብ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ብሓደጋ ድርቂ ካብ ዝተጠቕዓ ጣብያታት ሓዊለን ራዒለን ሂወት ቡዙሓት ወገናት ከም ዝሞቱ ዝገለፁ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ኣይተ ሃፍቱ ህይወት ህዝቢ ወረዳ ፃዕዳ እምባ ንምድሓን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብህፁፅ ደገፍ ክገብር ኣለዎ ኢሎም፡፡ብፍላይ ብሰንኪ ጥሜት 275 ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቖም ከም ዝርከቡ ድማ ኣይተ ሃፍቱ ገሊፆም፡፡

ሃፍታይ ባህረ