Home ዜና ሕብረት ኣውሮፓ ናብቲ ኣህጉር ዝግበር ዑቕባን ስደትን ኣመልኪቱ ሕጊ ኣውፂኡ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ናብቲ ኣህጉር ዝግበር ዑቕባን ስደትን ኣመልኪቱ ሕጊ ኣውፂኡ፡፡

628

መምርሒ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን


ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ቀንዲ ፖለቲካዊ ባእታታትን ምትሓዝ ስርዓት ስደተኛታትን ኣመልኪቱ ከካይዶ ዝፀንሐ ዘተ ብስምምዕነት ዛዚሙ፡፡
ስርዓተ ዑቕባን ስደትን ንምምሕያሽ ዝኣተዎ መብፅዓ ይፍፅም ምህላዉ፤ ብተለዋጢት ፕረዝዳንት እቲ ሕብረት ዝኾነት ስፐይን ፀብፃብን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ዝተዓዘበ ሕብረት ኣውሮፓ ዜጋታት ኣባል ሃገራት ብሰንኪ ሓተትቲ ዑቅባን ስደተኛታት ዝበፅሖም ዘሎ ስግኣት ክዕገት ከምዝወሰነ ገሊፁ፡፡


ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባ ሱር በቆስ ለውጢ ክመፅእ ኣለዎ ዝበለ እቲ ሕብረት፤ ካብ ፍልፍል ሃገራት ስደተኛታት ኣትሒዙ ኣውሮፓ ክሳብ ዝበፅሑ ኣብ ዘሎ ከይዲታት ዘጠቓለለ ሓሙሽተ ሕግታት ኣውፂኡ፡፡
ዶባትን ማያዊ ኣካላትን ጥሒሶም ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ዝበፅሑ ስደተኛታት ቅልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ዶባት ጥሒሶም ዝኣትዉ ስደተኛታት ዝሰፍርሉ መፅንሒ ምድላው፣ ተቐባልነት ንዘይረኸቡ ሓተትቲ ዑቕባ ብቕልጡፍ ምስጓጕ፣ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ምክፍፋልን ፍቓደኛታት ዘይኮና ኣባላት ገንዘብ ከዋፅኣ ምግባርን ኣብ ዝብሉ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐሎም ዝገለፀ እቲ ሕብረት፤ ቃሉ በተግባር ከም ዝትግብር ኣፍሊጡ፡፡


ስደተኛታት ካብ ምስጓጉን ኣብ መፅንሒ ቦታታትን ካም ምቕማጥን ዝበለፀ፤ ፍልፍል ስደት ምስ ዝኾነ ሃገራት ብቕርበት ምስራሕ ተመራፂ ምዃኑ ዝገለፃ ኣብቲ ሕብረት ሓላፊት ጉዳይ ተመለስቲን ስደተኛታት ካትሪን ሩላርድ፤ ብዙሕ መከራ ሓሊፎም ኣውሮፓ ዝበፅሑ ሓተትቲ ዑቕባ ግቡእ ኣተሓሕዛ ኣይተገበረሎምን ኢለን፡፡


ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣመልኪቱ ዝወፀ ሕጊ፤ ከም ብሓዱሽ ንዝመፁ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይነብሩ ንዘለዉ ዘይስሩዓት ስደተኛታት ምፍታሽ ከም ዘጠቓልል ዝገለፀት ተለዋጢት ፕረዝዳንት ሕብረት ኣውሮፓ ስፐይን፤ ብሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተዉ እውን ዓሸራ ከም ዝለዓሉን ኣብ ኣተሓሕዘኦም ምምሕያሽ ከም ዝግበርን ዕላዊ ገይራ፡፡


ዝኾነት ኣባል ሃገር ነቲ ብሕብረት ኣውሮፓ ወፅዩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምትግባር ግዴታ ከም ዘለዋን ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ምትሕግጋዝ ከም ዝግበርን ዘመላኸተ መምርሒ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ሕብረት ኣውሮፓ፤ በብእዋኑ ንዝፍጠሩ ቅልውላዋት ቀንዲ መፍትሒ ምዃኑ እውን ኣመላኺቱ እዩ፡፡
ብገ/ሄር ሃይሉ