Home ዜና ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ  ጣብያ ሳዝ

ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ  ጣብያ ሳዝ

440

ጠሊ ዓቀብቲ ስራሕቲ  ምጥንካር  መፍረይነት ልምዓት መስኖ  የበርኽ እዩ፦ሓረስቶት ጣብያ ሳዝ

ማይ ከርሰ ምድሪ ንምጥንኻርን መፍረይነት ልምዓት መስኖ ንምብራኽን ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ መፋስስ መስኖ ጣብያ ሳዝ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን  ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ መፋስስ መስኖ ጣብያ ሳዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓይልታት ፀጥታን ኣብ ዝተረኸብሉ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ተወካሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ዓሚቅ ሃፍቲ ተፈጥሮን ጅግና ህዝቢ ሒዝና ዝዓነዉ ንምትካእን ዘላቂ ውሕስናና ንምርግጋፅ ብሓድነት ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ዋና ኣመሓዳሪ ክልተ ኣውላዕሎ አይተ ኣስመላሽ ገብረስላሰ

ዝዓነወ ሃፍቲ ተፈጥሮ  ንምትካክን ልምዓት መስኖ ንምጥንኻርን ኣብ 32  መፋስስ  ልዕሊ 20 ሽህ ህዝቢ ዝሳተፈሉ 1300 ሄክታር ንምዕቃብ ዘኽእል ስራሕቲ ብዕሊ ከምዝጀመረ ሓቢሮም ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ዞባ ምብራቅ ትግራይ አይተ ኣታክልቲ ኣረሰ  ኣብታ ዞባ ኣብ 298 መፋስስ 164,540  ዝሳተፍሉ 11 ሽሕን 918 ሄክታር ንምዕቃብ ተተሊሙ  ንተግባራውነቱ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም ።

ዘዛራረብናዮም ሓረስቶት ብወገኖም ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን  ኣብ ምጥንኻር ስራሕቲ መስኖን ኣብ ምዕቃብ ጠሊ ወሳኒ ብምዃኑ ንኸሎም ፀገማት ተፃዊርና ንዝቅፅሉ 20 መዓልታት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ዝተሓላለኸን ልዐሊ ዓቅሚ ሓረስታይ ብምዃኑ ኣመራርሓ ትግራይ ፀገም ህዝቢ ተገንዚቡ ናብ መሬት ወሪዱ ክድግፍን መፍትሒ ከምፅእን ፀዊዖም።

ጎይትኦም ተኸስተ