Home ዜና ሕውየት ደቂ ኣሸንዳን ምስናድ ታሪኽን  

ሕውየት ደቂ ኣሸንዳን ምስናድ ታሪኽን  

696

 ሕውየት ትግራይ ብሕውየት ኣዴታት ትግራይ ክረጋገፅ ይግባእ አዴታት ኩለመዳይ ሕውየት ክረኽባ ድማ ክንሰርሕ ኢና፡-  ገባሪ ሰናይ ብሪጅ ባይ ብሪክ

ሕውየት ትግራይ ብሕውየት ኣዴታት ትግራይ ክረጋገፅ ይግባእ ኣብ አዴታት ዝጀመርናዮ ሕውየት ኣብ መሰረተ ልምዓትን ምስናድ ታሪኽን ብትኹረት ክንሰርሕ አለና ክብል ትካል ገባሪ ሰናይ ብሪጅ ባይ ብሪክ ገሊፁ ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ማህሰይቲ ዝበፅሐን ደቂ አሸንዳ ሙሉእ ናይ ኣሸንዳ ክዳንን መፀባበቕን ብምሽፋን ድማ በዓል ኣሸንዳ ኣኽቢሩ ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት  ዳግም ኣብ ምህናፅ እጃሙ ንምፍፃም ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን  ብዝርከቡ ግዱሳት ሙሁራት ተጋሩ ዝተጣየሸ ትካል ገባሪ ሰናይ ብሪጅ ባይ ብሪክ ማህሰይቲ ዝበፅሐን ደቂ አሸንዳ ሙሉእ ናይ ኣሸንዳ ክዳንን መፀባበቕን ብምሽፋን በዓል ኣሸንዳ ኣኽቢሩ ፡፡

ሕውየት ትግራይ ብሕውየት ኣዴታት ትግራይ ክረጋገፅ ይግባእ አዴታት ኩለመዳይ ሕውየት ክረኽባ ድማ ንሰርሕ አለና ክብሉ ኣባላት ቦርድ እቲ ትካል ኣይተ ጌታቸው ባይሩን ኣይተ ዓወት ልጃለምን ገሊፆም ፡፡

እቲ ትካል ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓትን ስነልቦናዊ ማህሰይቲ ዝበፅሖም ወገናትን ካብ ምሕዋይ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ዝስንዱ ብምትብባዕ  ሙዝየም ንምጥያሽ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይተ ጌታቸው ሓቢሮም ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ማህሰይቲ ሰፊሕን ዓሚቑን እዩ ሐዚ እውን ተመዛበልቲ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስቓይ ይርከብ ኣሸንዳ እውን ኣብ ዝተወሰነ ከፍል ብርሃን ኣብ ዝተወሰነ  ከፍል ድማ ፀልማት ኮይንና  ነኽብሮ ኣለና ይኹን እምበር ሐዚ እውን ካብ ዝበፅሐና በደል ክንሓዊ እንተድኣ ኮይንና ከምዚ ዓይነት መድረኽ ወሳኒ እዩ ክብሉ ኣብቲ በዓል ዕዱም ጋሻ ዝኾኑ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም ፡፡

ኣብቲ ብትካል ገባሪ ሰናይ ብሪጅ ባይ ብሪጅ ዝተዳለወ ክብረ በዓል ደቂ ኣሸንዳ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተረኸቡ እንትኾን በዓል ኣሸንዳ እንነኽብር ኣብ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ሓንቲ ፀፀር ብምድብራይ ክኸውን ይግባእ ኢሎም ፡፡

 #ብበላይ ሽፈራው