Home ዜና ሕድሪ ሰማእታት ህያው ንምግባር ክንሰርሕ ኢና- ተምሃሮን መምህራንን 2ይ ብርኪ ነቕሰገ

ሕድሪ ሰማእታት ህያው ንምግባር ክንሰርሕ ኢና- ተምሃሮን መምህራንን 2ይ ብርኪ ነቕሰገ

1123

ሳላ ጀጓኑ ደቒ ህዝቢ ብዝተኸፈለ መስዋእቲ ንዓመታት ኣቋሪጸምዎ ዝነበሩ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምሩ ከም ዝኻኣሉ ተምሃሮን መምህራንን 2ይ ብርኪ ነቕሰገ ገሊፆም።

ጀጋኑ ስዉኣት ዝወደቕሉ ዕላማ ንክዕወት ኣብ ትምህርቶም ብሉፅ ዉፅኢት ብምምፃእን ንስድራ ስዉኣት ብምሕጋዝን ሕድሪ ሰማእታት ህያው ንምግባር ከምዝሰርሑ እዉን ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ነቕሰገ ዝርከብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ነቕሰገ ብልፍንታውያን ፀላእቲ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ካብ ዝበፅሖም ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሓደ እዩ።

ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮን መምህራንን ልክዕ ከምቲ ካልእ ህዝቢ ትግራይ  ከቢድ ፀገማት ከም ዝሓለፉ ብምግላፅ ብጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክንምለስ ኪኢልና ኢና ኢሎም።

እቶም ተምሃሮን መምህራንን ንህዝቢ ትግራይ ኢሎም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሰማእታት ሕድሮም ህያው ንምግባር  ኣብ ትምህርቶም ውፅኢታዊ ብምኳን ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይን ስድራ ስዉኣት ብምሕጋዝን ሕድሪ ሰማእታት ከም ዝፍፅሙ ኣረጋጊፆም።

 ሃፍታሙ ገብረስላሴ