Home ዜና ሕድሪ ናይቶም ዝተሰዉኡ ኣሕዋትና ተሰኪምና ኢና ንመሃር- ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ መቐለ

ሕድሪ ናይቶም ዝተሰዉኡ ኣሕዋትና ተሰኪምና ኢና ንመሃር- ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ መቐለ

788

ተምሃሪት ምሕረት ክንፈ ተምሃሪት ሳልሳይ ዓመት ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ እንትትኸዉን ተምሃራይ መብራህቱ ኪሮስ እዉን ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ኤሌክትሮኖክ ምህንድስና ሓምሻይ ዓመት ተመራቂ ተምሃራይ እዩ።

እዞም ክልተ ተምሃሮ ኣብ 2012 ዓ.ም ክምረቑ ኣብዝተቐረብሉ እዋን ፈለማ ብኮቪድ 19 ቀፂሉ ድማ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ሕልሞም ተኾሊፉ ካብ ዩንቨርሲቲ መቐለ ክወፅኡ ተገዲዶም።

ልክዕ ከምቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዘሕለፎን ዘሕልፎ ዘሎን  ሓሳረ መከራ ኣሕሊፎም ብህይወት ተሪፎም ዳግማይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ዘቋረፅዎ ትምህርቲ ንክቕፅሉ ዕድል ምርካቦም ሕጉሳት እኳ እንተኾኑ ሓጎሶም ሙሉእ ከምዘይኮነ እዮም ዝገልፁ።

” እዚ ኩሉ ሓሊፍና ናብዚ ምብቃዕና ሓጎስ እንተተሰመዐና እኳ፣ ምሳና ዝነበሩ መናእሰይ ጠፊኦም እዮም፣ ቆሲሎም እዮም፣ ሕዚ ናብ ዩንቨርሲቲ መቐለ  ክኣትዉ ዕድል ዘይረኸቡ እዉን ኣለዉ፤ በዚኦም ኣዝየ እየ ዝሓዝን” ትብል ተምሃሪት ምሕረት ክንፈ። ካብ ዘለናዮ ጭንቅን ማህሰይትን ወፂእና ብቕልጡፍ እታ ተሃስያ ዘላ ትግራይ ንምሕዋይ ክንረባረብ ይግባእ” ዝበለ ተምሃራይ መብራህቱ ኪሮስ ድማ ሕድሪ ናይቶም ዝተሰዉኡ ኣሕዋትና ተሰኪምና ምህላውና ተረዲእና ዝያዳ ትማሊ ኒሕን ሓቦን ዝተመልኦ ፃዕሪ ክጠልበና እዩ “ይብል።

ንልዕሊ 20 ሽሕ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ መቐለ ሓላፍነት ኣዶ ተዋሂበን ከምደቀን ብምሕብሓብ ዝቕልብኦም ዝነበራ ሰራሕተኛታት ምግብና እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዴታት ብወገነን ቅድሚ 2 ዓመት እናበኸያ ዘፋነውኦም ደቀን ሕዚ ዋላ ኹሎም ኣይኹኑ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ተመሊሶም ምምፅኦም ባህታ ከምዝፈጠረለን ብምሕባር፣ ዝዓነወት ትግራይ ሃኒፅካ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ በርቲዖም ትምህርቶም ክከታተሉን፣ ክም ደቀን ክከናኸናን ኣብ ጎኖም ኮይነን ከምዘበረታትዕኦምን ቃል ኣትየን።

ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ካብ ዝተበተኑ ልዕሊ 20 ሽሕ ተምሃሮ ኣስታት ክልት ሽሕ ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዩንቨርሲቲ መቐለ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

#ተስፋዝጊ ዓስበይ