Home ዜና ሕ/ሰብ ማይወለድ ሕማማት ንምክልኻል ክረባረብ ይግባእ- ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ እምባ ኣላጀ

ሕ/ሰብ ማይወለድ ሕማማት ንምክልኻል ክረባረብ ይግባእ- ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ እምባ ኣላጀ

641

ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ሕብረተሰብ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃላዕ ከምዝሎ ነበርቲን ሰብ ሞያ ጥዕናን ገሊፆም፡፡

ማይ ወለድ ሕማማት ንምክልኻል ኣብ ዝውገኑ ስራሕቲ ሕብረተሰብ ውልቃውን ከባብያውን ፅሬቱ ብምሕላው ልዑል ርብርብ ክገብር ከምዝግባእ ድማ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ፀዊዑ፡፡

ወይዘሮ ዘውዱ ገብረን ወይዘሮ ሰላም ገሰሰውን ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲሽሆ ደቀን ከሕክማ ዝረኸብናየን ኣደታት እየን፡፡ እዘን ኣደታት እቶም ደቀን ዝሓመምሉ ምኽንያት ምስ ማይወለድ ሕማማት ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ይዛረባ፡፡

ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲሽሆ ግልጋሎት ሕክምና ክሂቡ ዝረኸብናዮም ሰብ ሞያ ጥዕና ብወገኖም ናብቲ ሆስፒታል ካብ ዝመፁ ተገልገልቲ መብዛሕቲኦም ብማይ ወለድ ሕማማት ዝተጠቐዑ ከምዝኾኑን፤ ነዚ ንምክልኻል ድማ እኹል ቐረብ ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ከምዘየለን ገሊፆም፡፡

ኣብ ወረዳ እምባ ኣለጀ ኣብ ሰለሰተ ጣብያታት ብምኽንያት ጉድለት ፅሬት ማይ ወለድ ሕማማት ከምዝተረኣየ ዝሓበሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣይተ ነጋሽ በርሀ ነዚ ንምክልኻል ድማ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ብትኹረት ይስራሕ ከምዝሎ ኣረዲኦም፡፡

ብተወሳኺ እውን ኣይተ ነጋሽ ጥዕና ንኩለመዳይ ስራሕን ልምዓትን መሰረት ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሰፍሑ ዝረኣ ዘሎ ማይወለድ ሕማማት ንምክልኻል ሕብረተሰብ ውልቃውን ከባብያውን ፅሬቱ ብዝግባእ ክሕሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ካብ ዝርከባ 10 ትካላት ጥዕና እተን ሓሙሽተ ብሓሊታት ፅንተት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋ ድማ ካብ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ታደለ ዳኘው