Home ዜና መረረት ከፈልቲ ግብሪ “ብርኪ ሐ”

መረረት ከፈልቲ ግብሪ “ብርኪ ሐ”

437

ኣብ ኣፈፃፅማ ከፈልቲ ግብሪ“ሐ”ዘይምዕሩይ ኣከፋፍላ ይረአ ኣሎ ኢሎም ሰብ ዋና ታክስን ገናሕትን፡፡ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ሓዱሽ መምርሒ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ኣዉፂኡ እዩ፡፡

ብመሰረት ዝወፀ መምርሒ ቑፅሪ 04/2015 ዓ/ም ድማ ከፈልቲ ግብሪ ብርኪ “ሐ” ናይ 2013/2014 ዓ.ም ግብሪ ከም ዘይኸፍሉ ይድንግግ፡፡ ይኹን እምበር ይብሉ በዓል ዋና ታክስን ሹፌርን ዝኾኑ ኣይተ ፍፁም ሃደራ እቲ መምርሒ ነፃ እንዳበለ ብተግባር ግን ኣብ ክ/ከተማ ቐዳማይ ወያነ ልምዓት እቶት ናይ ስራሕ ግብሪ ተዘይኸፊልኩም ፍቓድ ንግዲ ስራሕኹም ኣይነሕድስን ብምባል ንክኸፍል ተገዲደ ይብሉ፡፡

ብኻሊእ ወገን ኣብ ክ/ከተማ ሰሜን ንግዲ ፍቓዶም ብነፃ ዘሕደሱ ኣይተ ተኽላይ ኣለማዮህ እንትኾኑ ብመሰረት መንግስቲ ዘዉፅኦ ምምርሒ ብዘይ ገለ ክፍሊት ንግዲ ፍቓደይ ብነፃ ክሕድሰለይ ክኢሉ እዩ ኢሎሙና፡፡

ኣይተ ካሕሱ ገ/ሄርን ኣይተ ቢያም ሃይሉን ድማ መንግስቲ ንብርኪ ከፈልቲ ግብሪ ሐ ነፃ ኢሉ እንተብቅዕ ኣብ ኣፈፃፅማ ግና ካብ ክ/ከተማ ናብ ክ/ከተማ ይፈላለ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ነፃ ኣብ ገሊኡ ድማ ክፈሉ እንበሃል ንምንታይ ኢሎም ኣብ ምሙጋት ዝርከቡ እዮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ኣብ ኣፈፃፅማ ከፈልቲ ግብሪ ሐ ዝረአ ዘሎ ዘይምዕሩይን ኣከፋፍላ መመርሒ ብቕልጡፍ ኣሪሙ ህፁፅ ምላሽ ክህበና ይግባእ ክብሉ እቶም ሰብ ዋና ታክስን ሹፌራትን ሓቲቶም፡፡

ኣብዚ መዳይ መብርሂ ክህቡና ዝሓተተናዮም ኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ኣተኣኻኽባን ኣወሳስናን እቶት ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣይተ ሃፍቶም ብርሃነ እቲ ዝወፀ መምርሒ ነፃ ዝበሎ ዓመታዊ ግብርን TOTን ድኣ እምበር ናይ ስራሕ ግበሪ ነፃ ዝብል መምርሒ ኣየዉፅአን በዚ መሰረት ድማ ናይ ስራሕ ግብሪ ነኽፍል ኣለና ኢሎም፡፡

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብዚ መዳይ ብቐፃልነት ዘሎ ኣፈፃፅማ ኣድሂብና ተወሳኺ ናይ ሕጊ ትርጉም ዘድልዮም ጉዳያት ኣካቲትና ዝምልከቶም ኣካላት ኣካቲትና ምላሽ ክነስዕብ ኢና፡፡

ብህይወት ብርሃነ