Home ዜና መርሃ-ግብሪ ምገባ ተምሃሮ

መርሃ-ግብሪ ምገባ ተምሃሮ

615

ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ቢዝነስ ግሩብ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብ 5 ኣብያተ ትምህርቲ ንዝምሃሩ 11 ሽሕ ተምሃሮ ብሰናይ ተበግሶ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ መርሃ-ግብሪ ምገባ ጀምሩ፡፡ ኣብ ትግራይ ተረኽቡ ብዘሎ ሃዋህው ሰላም ኣብ ቐዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዋላ’ኳ እንተተጀመረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ኣብ ትሑት ቁጠባዊ መነባብሮ ዝርከብ ሕ/ሰብ ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን ናውቲ ትምህርትን ደቁ ከምህር ኣይከኣለን። ነዚ ዝተገንዘበ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ቢዝነስ ግሩብ ተምሃሮ ብስንኪ ስእነት ምግቢ ትምህርቲ ንከይቛርፁ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብ 5 ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመሃሩ ንልዕሊ 11 ሽሕ ተምሃሮ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ መርሃ-ግብሪ ምገባ ዝጀመረ እንትኾን እቶም ተምሃሮ ድማ በቲ ዝተገበረሎም ናይ ምግቢ ደገፍ ትምህርቶም ብዝግባእ ምክትታል ከምዝጀመሩ ገሊፆም፡፡

እቲ ተጀምሩ ዘሎ መርሃ-ግበሪ ምገባ ተምሃራይ ብሰንኪ ጥምየት ትምህርቲ ከየቛርፅ ዝሕግዝ ብምዃኑ ካልኦት ግዱሳት ወገናት እውን ኣሰር እዚ ሰናይ ተግባር ክስዕቡ ተምሃሮን መምህራንን ተላብዮም፡፡ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅን ወሎዶ ንምህናፅን ትምህርቲ ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኦፕሬሽናል መናጀር ኖርዝርን እስታር ሆቴል ኣይተ በሪሁ ገ/ማርያም ህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን ክረባረብ ይግባእ ኢሎም ፡፡

#ብታደለ ዳኘው