Home ዜና መርተዖ ዝቐበረ ውሳነ ኣሜሪካ

መርተዖ ዝቐበረ ውሳነ ኣሜሪካ

480

ኣሜሪካ ጀሚራቶ ዝነበረት ስያመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ደው ንምባል ምምሕዳር ባይደን ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣቕሪብዎ ዘሎ ውሳነ ሓሳብ መርተዖታት ዝቐበረን ኣሜሪካ ዝቖመትሉ ስርዓት ዴሞክራሲ ዝፃረርን ምዃኑ ሆማን ራይትስ ዎች ገሊፁ፡፡ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ዓመታዊ ፀብፃብ ቤት ፅሕፈቶም ኣመልኪቶም ዕላዊ ኣብ ዝገበርዎ መግለፂ፤ ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ኲናት፣ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ዓሌት ምፅራይን ምክያዶም ብመረዳእታ ኣደጊፎም ምቕራቦም ዝጠቐሰ መግለፂ ሁማን ራይትስ ዎች፤ ናብ ኮንግረስ ቀሪቡ ዘሎ ውሳነ ሓሳብ ግን ነቲ መረዳእታ ዝቐብር ክብል ተቓዊምዎ፡፡ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል፣ መንነት መሰረት ዝገበረ ምፍንቓል፣ ጃምላዊ ፆታዊ ዓመፅን ጨፍጫፍን መግለፂኡ ዝኾነ ሓይሊ ፅንተት፤ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ተኣምራዊ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን ዝበለ ሁማን ራይትስ ዎች፤ እቲ ውሳነ ጉዳይ ተሓታትነት ከይረጋገፅ ዕንቅፋት ምዃኑ ጠቒሱ፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ደማዊ ኲናት ስዒቡ፤ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ብሰንኪ ጥሜትን ሕማምን ግዳይ ሞት ምዃኑ፤ ፆታዊ ዓመፅን ጨፍጫፍን መለለይ ሓይሊታት ፅንተት ምንባሩ፤ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ መግለፂ ምሃበን ዘዘኻኸረ ሁማን ራይትስ ዎች፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሕዚ እውን ኣይተቐየረን ኢሉ፡፡መንግስቲ ኣሜሪካ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ጉዳይ ጥሕሰት ሰብኣውነት ዘመሓላለፎም ውሳነታት ርትዓዊን ንዓለም ለኸ ሕጊ ዝጣበቕን ምንባሩ፤ ኣብ ቦስኒያ ሄርዞ ጎቢንያ፣ ሩዋንዳ፣ ዒራቕ፣ ዳርፉር፣ ቻይናን ማይናማርን ውፅኢታዊ ውሳነታት ምውሳዱ ዘዘኻኸረ መግለፂ ሁማን ራይትስ ዎች፤ ኣብዚ እዋን ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ናብ ኮንግረስ ኣቕሪብዎ ዘሎ ውሳነ ሓሳብ ንቅዋም መንግስቲ ኣሜሪካ ዝፃረርን ሓቂ ዝቐብርን ምዃኑ ኣመላኺቱ፡፡#ገ/ሄር ሃይሉ