Home ዜና መበል 1444 ዓመት በዓል ዒደል-ኣድሓ

መበል 1444 ዓመት በዓል ዒደል-ኣድሓ

565

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝበ ሙስሊም ትግራይ በዓል ዒደል-ኣድሓ እንተኽብር ወረርቲ ሓይሊታት ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፁን ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልኦት መንግስታት ፅዕንቶ ብምፍጣር ከብዕልዎ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም።

ሎሚ 21 ሰነ 2015 ዓ/ም ኣብ ጎደና ሰማእታት ከተማ መቐለ ብድምቀት ዝተኸበረ መበል 1444 ዓመት ሕጂርያ በዓል ዒደል-ኣድሓ ዓራፋ ላዕለዎት ኣመራርሓን ተኸተልትን እቲ እምነት ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ። ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ፣ ምክትሎም ሌተናል ጀነራል ታደስ ወሰደን ካልኦት ኣመራርሓ መንግስትን ከተንቲባ ከተማ መቐለን እውን ዕዱማት ኣጋይሽ ኮይኖም ተረኺቦም ነቲ በዓል ኣኽቢሮም። ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ፌዴራልን ዝምልከቶም መንግስታትን ትካላትን ዓለም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ዝወረርዎ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ፣ብሰንኪ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ተመዛቢሎም ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣብ ትግራይን መላእ ዓለምን ዝርከቡ ሙስሊምን ኩሉ ትግራዋይን ፅዕንቶ ክፈጥር ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም።

ብተወሳኺ ድማ ነቲ ዝረአ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ዝያዳ ዘላቕነት ክህልዎ ኣብ ከባቢና ዝረኣዩ ፀገማት ፀጥታ ብምፍታሕ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ከም ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ተሳትፎኦም ምሕያል ከምዘድሊ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ኣገንዚቦም። ሐዚ እውን ሰላማዊ ቃልሲ ሕርያና ኢዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝምዕብል ዘሎ ሰላም ዓቂቡ፣እቶም ሰዛጊድ ኣብ ኢድ ወረርቲ ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ካብቶም ወረርቲ ሓራ ክወፁን ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክንራባረብ፤ፅባሕ ትግራይ ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ፀገም ወፅያ ፅባሕ ትግራይ ኣብ ዝሓሸ ናይ ልምዓት፣ሰላምን ሕውየትን ጎዳና ክትርክብ ብዕቱብነት ክንቃለስ ይግባእ ድማ ኢሎም።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ