Home ዜና ”መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ናብ ጥንተ መረበቱ ኣክሱም ምምላስ ንኩላትና ተኸተልቲ እምነት ክርስትና...

”መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ናብ ጥንተ መረበቱ ኣክሱም ምምላስ ንኩላትና ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እውን ይምልከተና ኢዩ ”- ቆመስ ኣባ ጥዑም በርሀ

659

መንበረ ሰላማ ናብ ጥንተ መንበሩ ኣክሱም ናይ ምምላስ ከይዲ ድማ ንሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ ነቲ ብኣክሱም ኣቢሉ ዝኣተወ እምነት ክርስትና ሰዓብቲ ናይ ዝኾንና ኩላትና ክርስትያን ይምልከተና እዩ ኢሎም ቆመስ ኣባ ጥዑም በርሀ።

መንበረ ሰላማ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት ሕርያ ኤጲስቆጶሳት እውን ንኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩልና ተጋሩ ድሙቕ ታሪኽ እዩ እውን ኢሎም ኣባ ጥዕም። እዚ ዘሎናሉ ወቕቲ ከም ተጋሩ ኣብዘሎና ንሃሉ ስጡም ሕብረትን ሰነያን ዘድልዮ እዩ ዝበሉ ኣባ ጥዑም ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ድማ ኣብ ጎኒ መነንረ ሰላማ ምዃነን እውን ኣብሪሆም።

#ሄለን ወልደዮውሃንስ