መንበረ ሰላማ ናብ ጥንተ መንበሩ ኣክሱም ናይ ምምላስ ከይዲ ድማ ንሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ ነቲ ብኣክሱም ኣቢሉ ዝኣተወ እምነት ክርስትና ሰዓብቲ ናይ ዝኾንና ኩላትና ክርስትያን ይምልከተና እዩ ኢሎም ቆመስ ኣባ ጥዑም በርሀ።
መንበረ ሰላማ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት ሕርያ ኤጲስቆጶሳት እውን ንኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩልና ተጋሩ ድሙቕ ታሪኽ እዩ እውን ኢሎም ኣባ ጥዕም። እዚ ዘሎናሉ ወቕቲ ከም ተጋሩ ኣብዘሎና ንሃሉ ስጡም ሕብረትን ሰነያን ዘድልዮ እዩ ዝበሉ ኣባ ጥዑም ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ድማ ኣብ ጎኒ መነንረ ሰላማ ምዃነን እውን ኣብሪሆም።
#ሄለን ወልደዮውሃንስ