Home ዜና መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ቤተ ክርስተያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ብሓደጋ...

መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ቤተ ክርስተያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ብሓደጋ ጥሜት ንዝተጠቅዑ ወገናት 2 ሚልዮን ንመሃብ ወሲኑ።

264

መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ቤተ ክርስተያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣጣይሹ ።ብሰንኪ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜት ዝመውት ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ኩሉ እጃሙ ከበርክት ድማ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ትግራይ ፀዊዑ።

ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኣተኣኻኻቢ እቶት ዘጣየሸ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፣ እቲ ምትእኽኻብ እቶት ኩሉ ፈታዊ ትግራይ ዝሳተፈሉ ከም ዝኸው እቶም ኣባላት ኮሚቴ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም ።

እቲ ሓገዝ ሰበኣዊ ሓገዝ ብምዃኑ ኣብ ምእካቡ ኮነ ምክፍፋሉ ሃይማኖት ከምዘይፈሊ እቶም ብፁኣን ኣቦታት ገሊፆም።መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተክህነት ትግራይ ሃፍቲ ከም ዘይብሉ እታ ዘላቶ ህዝቢ ካብ ምድሓን ካሊእ ዋኒን ከም ዘይብሉን ዝገለፁ እቶም ብፁኣን ኣቦታት ፣እቲ መንበረ ሰላማ ንግዚኡ 2 ሚልዮን ብር ንምሃብ ከምዝወሰነ ገሊፆም።