Home ዜና “መንግስቲ እንተዘይኣርኪቡልና ማዓልቲ ሞትና ንፅበ ኣለና” ኣዴታት ማይ ቅነጣል

“መንግስቲ እንተዘይኣርኪቡልና ማዓልቲ ሞትና ንፅበ ኣለና” ኣዴታት ማይ ቅነጣል

338

ወይዘሮ ለተንችኤል በላይ ኣዶ ክልተ ህፃናት ኮይና ነባሪት ከተማ ማይቅነጣል እያ። ኣብ መንበሪኣ ደቂሳ ረኺብናያ። እዛ ኣዶ ስማ ይኹን ሕማማ ንክትዛረብን ስምዒት ቃንዝኣ ንክትገልፅን ትንፋስ እናሓፀራ ኢያ ኣውጊዓትና ። ብሰንኪ ሕማምን ጥምየትን ፃዕረ ሞት ከምዝተትሓዘት ድማ ካብ ኣንደበታ ሰሚዕና።

”ደርሁት እውን ነይረናኒ ፀላኢ ወሲድወን፥ ካብኡ ንድሓር ምንም የብለይን፤ዕንጨይቲ እናሸጥኩ እየ ዝበልዕ ነይረ ኣብ መንጎኡ መዓንጣይ ተቖላሊፉ ሕክምና መጥባሕቲ ገይረ እዚ ኩሉ ጥሜት ዝወለዶ እዩ እየ ዝብል”ወይዘሮ ለተንችኤል በላይ ትዛረብ። ብሕዱር ሕማምን ጥምየትን ንፀገም ዝተንበርከኻ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ወይዘሮ ሽዋይነሽ ወርቅነህን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና ጉድኣት ኣካል በፂሕዋ ብምፅዋት እትናበር ወይዘሮ ኣባዲት ወልዱን ብወገነን ህይወተን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ይዛረባ።

ወይዘሮ ሽዋይነሽ ”በዝሒ ደም ኣለኒ፣ሕማም ሽኮር ኣለኒ፣ቅድሚ 10 ዓመት ወዲቐ ከዓ ሓንቲ እግረይ ኣይትሰርሕን ኢያ፤ ሽኮር እንድሕር ጠሚኻ ዝብላዕ እንተስኢነ ቀጥቀጥ እዩ ዘብለካ በዝሒ ደም እውን ከምኡ” ክብላ ዘለወን ፀገም ይገልፃ። ”ጥቅምቲ ዓመተይ ሓደጋ መኪና ካብ ዘጋጥመኒ እግረይ ካብ ዝጎድል፥ ፀላኢ ኣትዩ ሕክምና ኣይነበረን ካብኡ እግረይ ረኽሲ ፈጢሩ ፀኒሑ ብጣዕሚ ቃንዛ ነይርዎ ሰብ ገዲፉኒ ሃዲሙ በይነይ ተሪፈ” ክትብል ነቲ ዝሓለፈቶ ፀበባን ሐዚ ብሰንኪ ጥሜት ገጢምዋ ዘሎ ፀገምን ትገልፅ ወ/ሮ ኣባዲት ወልዱ።

እዘን ገሊኤን ብመጥባሕቲ መዓንጣ፣ብሑዱር ሕማምን ሓደጋ መኪናን ኣብ ዓፀቦ ጥምየት ወዲቐን ህይወት ገሃን መሃን ዝኾነተን ኣዴታት ከተማ ማይቅነጣል “መንግስቲ እንተዘይኣርኪቡልና ማዓልቲ ሞትና ንፅበ ኣለና” ክብላ ገሊፀን። ወ/ሮ ለተንችኤል በላይ ” መንግስቲ ትሕቲ ፈጣሪ እዩ ዝበሃል እሞ መንግስቲ እንተዘይተሓባቢሩና ንሞት ንፅበ ኣለና፤እታ ህይወት እማ ትሪኡና ኣለኹም እኮ ንሞት ትልምን ኣላ ኣብ ኣፍ ሞት በፂሕና” ትብል።

”ሕማምን ጥሜትን እኒሆ ይምሓረና እንታይ እሞ፥ ጠምዩና ፀሚኡና ኢልና መዓዝ ኢዮም ዝረድኡናን ዝድግፉናን ንብል፤ ርዳእታ ዝበሃል የለን ከምዚኣ ኢና በቃ ሱቕ ኢሉ ይመሲ ይወግሕ ኣሎ ” ዝበላ ድማ ወ/ሮ ሽዋይነሽ ወርቅነልን ኣባዲት ወልዱን እየን።

ምክትል ኣማሓዳሪ ወረዳ ማይቅነጣል ኣይተ ተኸስተ ገብረእግዚኣብሔር ኣብቲ ወረዳ ከቢድ ሓደጋ ጥምት ከም ዘንፀላለየ ዝሓበሩ ኮይኖም ሕዱር ሕማም ዘለዎም፣ብሴፍትኔት ዝምሓደሩ ዝነበሩ፣ ኣዴታትን ህፃናትን ድማ ኣውራ ተጠቃዕቲ እቲ ጥምየት ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።

ብሕሉፍ ካሕሳይ

All reactions:108108726LikeCommentShare