Home ዜና መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተውሃበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተውሃበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

655

ንመስርሕ ሰላም ዓቲርና ሕውየትን ፍትሕን ንምርግጋፅ ብፅንዓት ክንቃለስ ኢና!!ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ንስድራ ስውኣትና፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ትግራይን ጅግና ሰራዊትናን እንኳዕ ንመበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብፅሓኩም፣ ኣብፅሓና።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ነዊሕ መዋእል ታሪኩ ተወደቡ ስለ ዝተቓለሰን በብምዕራፉ ክቡር መስዋእቲ ስለዝኸፈለን ታሪኩን መንነቱን ዓቂቡ ሕዚ እውን ብፅንዓት እናተቓለሰ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ትማልን ሎሚን ዝተኸፍለን እናተኸፍለ ዘሎን መስዋእቲ ስለ ህልውናን መንነትን፣ ስለ ዕብየትን ፍትሕን ከምኡ እውን ስለ ሰላምን ራህዋን ትግራይን ህዝባን ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ እዩ።

“ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን” እንትብሃል እውን ታሪክን መንነትን ህዝብና ብዝግባእ ንምዕቃብ፣ ኣብ መደባት ልምዓትን ማሕበራዊ ዕብየትን ዝክኣለና ኩሉ ክንገብር፣ ከምኡ እውን ሰላማ ዝተሓለወትን ዝተረጋግዐትን ትግራይ ንምህናፅ ቀትርን ለይትን ክንረባረብ ኢና ማለት እዩ።

ሕዚ እውን ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን!ኣብዚ እንርከበሉ ወሳኒ መድረኽ ፅኑዕ ሓድነት ዝጠልብ መድረኽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እዩ። ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ግቡእ መልሲ ንክረኽቡ ዘይተሓለለ ርብርብ ክነካይድ ግድን ኣብ ዝብል መድረኽ እውን ኢና ዘለና።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ብምዃን ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስ፣ ብወረርቲ ሓይልታት ዝጋፋዕ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ፣ ምምሕዳራትና ንምምላስ፣ ህዝብና ዝተማልአ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሖን፣ ምዕሩይ ግልጋሎትን ፍትሕን ንምርግጋፅ ዝተማልአን ዝተዋደደን ቃልሲ ከምዘካይድ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይፈቱ።ባህግን ድልየትን ህዝቢ ትግራይ ንምምላእን ሕቶታትናን ጠለባትናን ንምምላስን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ኣስጢሙ ክቃለስ ይግባእ።

ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ሓድነትን ፅንዓትን ዝጠልብ፣ ናይ ኩሉ ተሳትፎን ምድግጋፍን ዝሓትት ሓያል መድረኽ ምዃኑ ዝተረድአ ምዕሩይ ቃልሲ ክነካይድ ኣለና።ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኩሎም ዓቕምታት ብምውዳብን ብምውፋርን ከምኡ ድማ ምስ መላእ ህዝብና ብቐፃልነት እሂን ምሂን እናበለን እታ ንብህጋ ትግራይ ንምግሃድ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ርብርብን ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ እውን ከረጋግፅ ይፈቱ።

ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየትን ፍትሕን!!

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!!

14 ሰነ 2015 ዓ.ምመቐለቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ